ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብ6 ለካቲት ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ንጥፈታት 2017 ብምግምጋም – ኣብ መደባት 2018ን ትግባረኡን ዘትዩ።

ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ወለንታዊ መርመራ ናይ ዝገብሩ ዜጋታት ቊጽሪ ብ42 ሚእታዊት ከምዝዓበየ፡ መጠን ምሕዋይ ካብ ‘ዓባይ ሰዓል’ 95 ሚእታዊት ከምዝበጽሐ፡ ኣብ ምክልኻል ስግረ-ዶባዊ ሕማማት ምስ ኩሎም መሻርኽቲ ኣድማዒ ስራሕ ከምእተዓመ በሪሁ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ’ቲ ዞባ፡ ኣቶ ኣሰፋው ገብረሚካኤል፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዓቕሚ-ሰብን ንዋትን ዝተገብረ ዕብየት፡ ኣብ ዕለታዊ ንጥፈታት ትካላት ጥዕና ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝነበሮ ጠቒሱ፡ ክሳብ ርሑቕ ከባቢታት ዝዝርጋሕ ወፍሪ ክታበት ኣብ ምዕዋት ንዝነበረ ተራ መሻርኽቲን ኮምን ሞጒሱ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ – ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ፡ ተረጋጊጹ ዘሎ ተጠቃምነት ህዝቢ ኣብ ትካላት ጥዕና – ውጽኢት ጐስጓሳትን ኣስተምህሮታትን ሞያውያንን ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላትን ምዃኑ ብምሕባር፡ ገና ዘይተጠርነፈ ህዝቢ ስለዘሎ፡ እናተንቀሳቐስካ ዝወሃብ ኣገልግሎትን ትምህርትን ክድፋኣሉ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ገለ ንኡሳን ዞባታት ዘሎ ሕጽረት ኣምቡላንሳት ፍታሕ ክናደየሉ፡ ዓቕሚ ሞያውያን ክብ ንምባል ስልጠናታት ክወሃብ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories