መበል 181 ዓመተ-ዝኽሪ ኤርትራዊ- ሩስያዊ ገጣሚን ጸሓፊን ኣሌክሳንደር ፑሽኪን፡ ትማሊ 9 ለካቲት ኣብ’ቲ ንዝኽሩ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ዝተተኽለ ሓወልቲ ተባዒሉ።

ኣምባሳደር ፈደረሽን ሩስያ ኣብ ኤርትራ ሚስተር ኣዚም ያራኽመዶቭ፡ ኣብ ዝምድናታት ደቂ-ሰብ፡ ፍልስፍና፡ ሂወት፡ ኣነባብራን ናጽነት ህዝብታትን ኣተኲሩ ዝተጻሕፈ ግጥምታት ፑሽኪን፡ ኣብ መላእ ዓለም ተነባብን ኣብ ልቢታት ዝሰርጽን ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ዓመተ- ዝኽሪ ናይ’ዚ ድንቂ ገጣሚን መሰረት ዘበናዊ ስነ-ጽሑፍ ሩስያን ዝኾነ ሰብ ኣብ ኣስመራ ምብዓሉ – ሓበን ከምዝስምዖ ገሊጹ። ንምዕባለ ንዝጠመተ ዝምድና ሩስያን ኤርትራን ዘጒልሕ ምዃኑ እውን ኣውኪኡ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ገለ ካብ ግጥምታት ፑሽኪን ብቋንቋ ሩስያ፡ ከምኡ’ውን ትርጉም ብቋንቋታት ትግርኛ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ቱርኪን እንግሊዝን ተነቢቡ።

ኣምባሳደር ሩስያ ሚስተር ኣዚም ያራኽመዶቭን ኣቦ-መንበር ማሕበር ኤርትራውያን ምሩቓት ዩኒቨርሲታት ሕብረት-ሶቬትን ሩስያን ኣቶ ሰመረ ሃብተን ድማ፡ ኣብ ሓወልቲ ፑሽኪንሕቋፍ ዕንባባ ኣንቢሮም፣

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ኣባላት ማሕበር ኤርትራውያን ምሩቓት ዩኒቨርሲታት ሕብረት-ሶቬትን ሩስያን፡ ሓለፍቲ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ፡ ዲፕሎማሰኛታትን ዕድመ ዝተገብረሎምን ተረኺቦም ነይሮም።

ሓረግ ኣሌክሳንደር ሰርገቪች ፑሽኪን፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ካብ እትርከብ ዓዲ-ሎጎ ኮይኑ፡ ኣቦኡ ሃኒባል ኣብ ታሪኽ ሰራዊት ሩስያ ናይ ጀነራል ማዕርግ ዝነበሮ እዩ።

Categories