ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ኣምባሳደራት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ብ1 ለካቲት ኣብ ከተማ ፕሪቶርያ – ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ ተቓኒዑ።

ዕላማ’ቲ ኣኼባ፡ እዋናዊ ኩነታት ኣህጉር ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ንዞባና ድማ ብፍላይ ዝምልከት ሓበሬታን ሓሳባትን ንምልውዋጥ፡ ከምኡ’ውን ትግባረ ‘ኣጀንዳ 2063’ ንምቅልጣፍ ክካየድ ብዛዕባ ዘለዎ ንጥፈታት ንምዝታይ እዩ ነይሩ።

ኣብ’ቲ ብኤምባሲ ኤርትራ ዝተወደበ ኣኼባ፡ ኣምባሳደራት – ብሩንዲ፡ ኮሞሮስ፡ ኬንያ፡ ማዳጋስካር፡ ማውርሸስ፡ ርዋንዳ፡ ሶማልያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሱዳን፡ ሲሸልስ፡ ታንዛንያን ኡጋንዳን ተሳቲፎም።

ብኻልእ ወገን፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል፡ ኣብ’ታ ሃገር ንዝነጥፉ ኣባላት ማሕበር ወነንቲ ቦጣት፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርን ተራኦም ኣብ መደባት ልምዓትን መብርሂ ሂቡ። ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ፡ 5 ዝኣባላታ ኣካያዲት ስራሕ መሪጾም።

ኣብ ካልእ ዜና – ሃማደኤ ጨንፈር ስዊዘርላንድ፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ንጥፈታቱ ድሕሪ ምግምጋም፡ ንቕሓት ኣባላት ክብ ንምባል ዝካየድ ሰሚናራትን ኣስተምህሮታትን ብዝሰፍሐ መልክዑ ምቕጻል፡ ኣብ 2009 ኣብ ከተማ ተሰነይ ዝተሰረተን ኣብ ደረጃ ምዝዛም በጺሑ ዘሎን መሰልጠኒ ማእከል ደቂ-ኣንስትዮ ምቅልጣፍ. . . ካብ’ቶም ኣብዚ ዓመት’ዚ ዝትግበሩ መደባት ምዃኖም ኣነጺሩ።

ኣብ እስራኤል ድማ፡ ኣብ ትሕቲ “ማሕበር ፍኖተ ሰማእታት” ዝተጠርነፉ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ስድራ-ስዉኣት ንምሕጋዝ ዝጀመርዎ መደባት ንምሕያልን ካልኦት መንእሰያት ንምጥርናፍን ብዘካየድዎ ጐስጓስ፡ ነቲ መደብ 12 ሓደስቲ መንእሰያት ከም እተጸንበርዎ፡ ድሮ ድማ ነፍሲ-ወከፎም 720 ዶላር ብጠቕላላ 8,640 ዶላር ከም ዘዋጽኡ ሓቢሮም።

Categories