ሓላፊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንኡስ ዞባ ዓዲ-ተከሌዛን፡ ገዲም ተጋዳላይ ተስፋይ ግርማይ በየነ፡ ብዝሓደሮ ሕማም፡ ትማሊ 8 ለካቲት ኣብ መበል 61 ዕድሚኡ ተሰዊኡ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ስዉእ ተጋዳላይ ተስፋይ ግርማይ፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ኣብ ኣጋር ሰራዊት ክሳብ ማእከልነት ሓይሊ ኮይኑ ዝተቓለሰን ዘቃለሰን፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር ኣብ ዞባታት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕርን ዓንሰባን ብዝተፈላለየ ጽፍሒታት ሓላፍነት ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዝሰርሐ ሓርበኛ እዩ።

ስዉእ ተጋዳላይ ተስፋይ ግርማይ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ 4 ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ትማሊ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ መካነ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

ምምሕዳር ዞባ ዓንሰባ፡ ብመስዋእቲ ገዲም ኣባሉ ተጋዳላይ ተስፋይ ግርማይ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱን መቓልስቱን ጽንዓት ይምነ።

Categories