ኣብ ከተማ ከረን ዝተሃንጸ ማዕከን ጸዓት ጋዝ፡ ኣብ ቀረብ ጋዝን መስርሕ ምዕዳሉን ከጋጥም ንዝጸንሐ ጸገማት ከምዝፈትሐ ነበርቲ ገሊጾም።

ዓታሩ ጋዝ ናብ ኣስመራ ተላኢኹ ተመሊኡ ክሳብ ዝመጽእ፡ ናይ ሰሙናት ግዜ ይወስድ ምንባሩ – ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ግን፡ ሳላ’ቲ ዝተዋደደ ማዕከን ጋዝ፡ ዝተኣከበ ዓታሩ ኣብ ውሽጢ ሳልስቲ ተመሊኡ ንዋናታቱ ይዕደል ከምዘሎ ሓቢሮም።

ሓላፊ ማዕከን ጋዝ ከተማ ከረን፡ ኣቶ ኣርዓዶም ገብረማርያም፡ ኣብ 2017 ናይ ምምላእ ስርሑ ዝጀመረ ማዕከን ጋዝ ከተማ ከረን፡ ብቴክኒካዊ ምኽንያት ንገለ እዋን ብግቡእ ክሰርሕ ከምዘይጸንሐ ብምምልካት፡ ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ብክልተ መምልኢ ተሰንዩ ብብቕዓት ይሰርሕ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

እቲ ማዕከን፡ ንሓውሲ ከተማታት ሓጋዝን ዒላበርዕድን እውን ኣገልግሎት ክህብ ጀሚሩ ከምዘሎ፡ ሓላፊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከተማ ከረን ኣቶ ዓብደላ ራካ ሓቢሩ።

ነበርቲ ከተማ ከረን በዚ ኣጋጣሚ፡ ሕጽረት ዕትሮታት ጋዝ ፍታሕ ክናደየሉ ሓቲቶም።

Categories