ኣብ ሓውሲ ከተማ ማይ-ድማ – ንኡስ ዞባ ዓረዛ፡ ከም ኣካል ናይ’ቲ ጽሬት ከባቢ ብምርግጋጽ ጥዕና ዜጋታት ንምውሓስ ዝሰላሰል ዘሎ ንጥፈታት፡ ብኣስታት 2 ሚልዮን ናቕፋ ዝተሰርሐ ህዝባዊ መሕጸቢ ሰብነትን ዓይኒ-ምድሪን ዘጠቓለለ ህንጻ ተመሪቑ።

እቲ 20 ክፍልታት ዘጠቓለለ ህንጻ፡ ንደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን፡ ከምኡ’ውን ንኣካለ-ስንኩላን ብዝምችእ ኣገባብ ዝተሰርሐ እዩ።

ሓውሲ ከተማ ማይ-ድማ ዕሙር ንግዳዊ ምንቅስቓስ ስለዘለዋ፡ ኣገዳስነት ናይ’ቲ ህንጻን ትሕተ-ቅርጹን ኣብ ምውሓስ ጥዕና ልዑል ምዃኑ ዝጠቐሱ ነበርቲ፡ ቀጻልነቱ ንምርግጋጽ ከምዝነጥፉ ገሊጾም።

ካብ ከተማ መንደፈራ 60 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ሓውሲ-ከተማ ማይ- ድማ፡ ብሕርሻን ንግድን ዝናበሩ ኣስታት 17 ሽሕ ተቐማጦ ኣለውዋ።

Categories