ኣብ ኣፍዓበት፡ 25 ኣለይቲ ስድራ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብሃማመተኤ ዝተወደበ ናይ ክልተ ኣዋርሕ ስልጠና ኢደ- ጥበባዊ ስራሓት ቀሲመን።

ዕላማ ናይ’ዚ ኣሰራርሓ ንህያባት ዝኸውን ስርሓት ዕንቊ ዘጠቓልል ስልጠና፡ ቊጠባዊ ምንጪ ናይ’ተን ደቂ-ኣንስትዮ ንምውሓስ እዩ።

ሓላፊ ጨንፈር ሃማመተኤ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ መንእሰይ እድሪስ ዑስማን፡ ሰልጠንቲ ዝቐሰማኦ ሞያ ብግብሪ ምእንቲ ክሰርሓሉ፡ ወለድ ዘይብሉ ልቓሕ ክዋሃበንን ትካላተን ብግቡእ ከመሓድራ ዝሕግዘን ስልጠና ክውደበለንን ምዃኑ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ-ኑር ረጀብ፡ ኣገዳስነት ናይ’ቲ ስልጠና ብምጥቃስ፡ ተመሳሳሊ ጸገም ኣብ ዘለወን ደቂ- ኣንስትዮ ክቕጽል ኣዘኻኺሩ።

Categories