ዝኽሪ መበል 28 ዓመት ስርሒት ፈንቅል፡ “ፈንቅል ብስራት ሓርነት” ብዝብል ቴማ ካብ 9 ክሳብ 11 ለካቲት ብድምቀት ንምጽምባል፡ ብልዑል ኮማዊ ተሳትፎ ክካየድ ዝቐነየ ምድላዋት ከም እተጻፈፈ፡ ኣቦ-መንበር ኣወሃሃዲት ሽማግለ በዓላት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ስራጅ ሓጂ ገሊጹ።

ኣቶ ስራጅ፡ እቲ ጽምብል – ነቲ ቅድሚ 28 ዓመታት ዝተኻየደ ስርሒት ቅያ ብዘንጸባርቕ ንምብዓሉ ዝቘማ 7 ኮሚቴታት፡ አእጃመን ወሲደን ድሕሪ ዘሰላሰልኦ ስራሕ፡ ከተማ ባጽዕ ኣጋይሻ ክትቅበል ድልውቲ ከምዘላ ሓቢሩ። ንሰለስተ መዓልታት ንዝቕጽል ጽምብል ንምምዕራግ፡ ኮማዊ ዳሳት፡ ስፖርታዊ ንጥፈታት፡ ህዝባውን ወተሃደራውን ሰልፊ፡ ባዛር፡ ጥበባዊ ስርሓትን ባህላዊ መደባትን ዘጠቓልል 14 መደባት ተዳልዩ ከምዘሎ ድማ ገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ኣገልግሎታት ማይ፡ መጓዓዝያን ኤለክትሪሲቲን ከምኡ’ውን ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት እኹል ምድልዋት ተገይሩ ከምዘሎ ዝሓበረ ኣቶ ስራጅ፡ ንዝጸንሐ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ንምድራዕ፡ ኣብ ውሽጢ ባጽዕን ከባቢኣን ኣውቶቡሳት ከተማ ተመዲበን ከምዘለዋ፡ ካብ ካልእ ከባቢታት ሃገርና ንዝወርዱ ነጋድያን ቀዳምነት ብምሃብ ብጽፈት ንምጒዕዓዞም ድማ፡ ምስ መጓዓዝያ ምድርን ኩባንያ ሓራትን ምርድዳኣት ከምእተገብረ ኣብሪሁ።

Categories