ሸለልትነት ተጠቀምቲ ጽርግያን ኣልኮላዊ መስተ ሰቲኻ መኪና ምምራሕን፡ እቶም ጕሉሓት ጠንቅታት ሓደጋ ትራፊክ ምዃኖም፡ ኤሪና ዝተወከሰቶም ዜጋታት ገሊጾም።

ወሃብቲ ርእይቶ፡ ክቱር ናህሪ፡ ምሉእ ኣድህቦኻ ኣብ ምምራሕ መኪና ዘይምግባር፡ ሕግታት ትራፊክ ዘይምኽባርን ጽርግያ ብስኒት ዘይምጥቃምን፡ ብሽክለታ ብስነ- ስርዓት ዘይምዝዋር፡ መንገዲ ኣጋር ዘይምጥቃምን ብጥንቃቐ ዘይምስጋርን፡ ከምኡ’ውን ልዑል መጠን ኣልኮላዊ መስተ፡ እቶም ብተደጋጋሚ ዝረኣዩ ጠንቅታት ሓደጋታት ተሽከርከርቲ ምዃኖም ብምዝርዛር፡ ነዚ ጠንቅታት’ዚ ንምውጋድ ተገዳስነትን ኣድህቦን ተጠቀምቲ ጽርግያ ወሳኒ ከም ዝዀነ ኣብሪሆም።

ኣብ ሓደ-ሓደ ቦታታት ዝርአ፡ ብቐሊሉ ክጽገን ዝኽእል ግን ከኣብዙሕ ኣድህቦ ዘይግበረሉ ምብልሻው ጽርግያታትን ዘይሰርሑ ሴማፎሮታትን፡ እቶም ኣብ ክስተት ሓደጋታት ትራፊክ ተራ ዘለዎም ምዃኖም እውን ወሃብቲ ርእይቶ ገሊጾም።

ኣብ ተርእዮ ሓደጋታት ትራፊክን ሳዕቤናቶምን ኣብ ኤርትራ መጽናዕቲ ዘካየደ ኣባል ሚኒስትሪ ጥዕና ኣቶ ፊልሞን ሃብተሚካኤል ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ጠንቅታት ሓደጋ ኣብ 4 ከምዝኽፈሉ፡ ንሳቶም ድማ ኣብ ባህሪ ሰባት፡ ጥዕና ተሽከርካሪት፡ ትሕተ-ቅርጺ መጓዓዝያ፡ ከምኡ’ውን ሕግን ትግባረኡን ዝምርኰሱ ምዃኖም ኣረዲኡ።

እቲ ምሁር ዓለምለኻዊ ጥዕና ኣብ መጽናዕቱ፡ ክቱር ናህሪ፡ መስተ ሰቲኻ ምምራሕ፡ ተሽከርካሪት እናመራሕካ ኣድህቦኻ ዝሰርቕ ካልእ ንጥፈት ምክያድ፡ ከምኡ’ውን መስምዒ ሙዚቃ ኣብ እዝንኻ ወቲፍካ ብሽክለታ ምዝዋር፡ ካብ’ቶም ዝውቱራትን ኣሰከፍትን ተርእዮታት ምዃኖም ብምሕባር፡ ኣብ ሰዓት 80 ኪሎ-ሜተር እትሕምበብ መኪና፡ ካብ’ታ ኣብ ሰዓት 30 ኪሎ- ሜተር እትጓዓዝ፡ ኣብ ህይወት ሰብ እተውርዶ ናይ ሞት ሓደጋ ብ20 ዕጽፊ ከም ዝዛይድ ኣብሪሁ።

ኣብ ሃገርና፡ እቲ ቀዳማይ ጠንቂ ሓደጋታት ትራፊክ ዝኸውን ዘሎ፡ ትሑት ንቕሓት ኣብ ተጠቃምነት ጽርግያ ምዃኑ ብምሕባር ድማ፡ ሓደጋ ኣብ ማሕበረ-ቊጠባዊን ጥዕናዊን መዳያት ዘውርዶ ዕንወት ከቢድ ምዃኑን፡ መራሕቲ ተሽከርከርቲ ኣብ ምንቅስቓሳቶም ሓላፍነታውያን ክዀኑን ኣዘኻኺሩ።

Categories