ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ፈርሔን – ንኡስ ዞባ ሓመልማሎ፡ ካብ ድገ-ምራድ ናብ ዓዶም ዘእቱ 8 ኪሎ-ሜተር ናይ ሓመድ ጽርግያ ብወፈራ ጸጊኖም፡ ንኣገልግሎት ድሉው ገይሮም።

በቲ ዝተሰላሰለ ስራሕ፡ ነበርቲ ዓድታት ድገ-ምራድ፡ በስግዲራ፡ ፈርሔንን ጀንገርድባን፡ ኣብ መጓዓዝያ ዝነበሮም ሽግር ከም ዝተቓለለ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ ነቲ ስራሕ ድሕሪ ምዕዛቡ፡ ንተበግሶ ነበርቲ ናይ’ቲ ከባቢ ብምምጓስ፡ ጥርናፈ ዓድታት ምሉእ ብምሉእ ንምዝዛም ዝሕግዝ ጽጹይ ስታትስቲካዊ ሓበሬታ ክእከብን ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ክድፋኣሉን ኣተሓሳሲቡ።

ኣወሃሃድቲ ናይ’ቲ ወፈራ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ኣስታት ክልተ ወርሕን መንፈቕን ዝወሰደ ዕዮ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ናቕፋ ዝግመት ወጻኢታት ከም ዝተገብረሉ ብምሕባር፡ ህዝቢ ንዘርኣዮ ውህደት መጒሶም።

ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ፈርሔን ኣቶ ስዒድ መሓመድ-ኣሕመድ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምምሕዳር ከባቢኦም ስሩዕ ኣገልግሎት ዝስተ ማይ፡ ክልተ ናይ መባእታ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ንቝጣ ምጥፋእ መሃይምነት ከምዘለዋ ብምሕባር፡ ምስ ምጽጋን ናይ’ቲ ጽርግያ፡ ዝተረፈ ኣገልግሎታት ከም ዝማላኣሎም ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ።

ምምሕዳር ከባቢ ፈርሔን፡ ካብ ከተማ ከረን ንሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ 18 ኪሎ- ሜተር ርሒቓ ትርከብ።

Categories