ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዓቕምታት ደቂ-ኣንስትዮ ንምሕያል ዝተሰላሰለ ንጥፈታት ኣተባባዒ ምንባሩ፡ ጨንፈር ሃማደኤ ቅድሚ ትማሊ 25 ጥሪ ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣብ ዘቃነዖ ገምጋም ተገሊጹ።

ሓላፊት’ቲ ጨንፈር ወ/ሮ ሳዕዲያ ኢብራሂም ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት መንግስትን ሓይልታት ምክልኻልን ንዝርከባ፡ ከምኡ’ውን ንተመሃሮ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ ኣበርክቶ ጓል-ኣንስተይቲ ኣብ ህንጸትን ምዕባለን ሃገር ዘተኰሩ ሰፋሕቲ ሰሚናራት ከም ዝተኻየዱ፡ ንጽጉማትን ኣብ ትምህርተን ጸብለልታ ዘርኣያን ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ሓገዝን ምትብባዕን ከም ዝተገብረ ኣብሪሃ።

ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ስራሕ መሻርኽቲ ብምውህሃድ’ውን፡ ኣንጻር ጎዳእቲ ልምድታት ብሓፈሻ፡ ምኽንሻብ ደቂ- ኣንስትዮን መርዓ ትሕቲ ዕድመን ድማ ብፍላይ ዝቐንዐ ጎስጓሳት፡ ኣብ ኩላተን ንኡስ ዞባታት ከም ዝተወደበ ዝሓበረት ወይዘሮ ሳዕድያ፡ ከም ኣካል ናይ’ቲ ጥዕና ኣደን ዕሸልን ንምውሓስ ዝትግበር ዘሎ መደባት፡ ልዕሊ 8 ሚልዮን ናቕፋ ዝወደአ ትሕተ-ቅርጺ መጸበዪ ነብሰ- ጾራት ከም ዝተዛዘመ ገሊጻ።

ወ/ሮ ሳዕድያ ኣብ መወዳእታ፡ መነባብሮ ደቂ-ኣንስትዮ ንምምሕያሽ፡ ሞያዊ ስልጠናታት ምውዳብ፡ ጽጉማት ተመሃሮ ብምሕጋዝ ቀጻልነተን ኣብ ትምህርቲ ምርግጋጽ፡ ከምኡ’ውን ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ዘዕብዩ ንቕሓታዊ መደባት ምክያድ፡ ገለ ካብ’ቶም ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ንትግባረ ተወጢኖም ዘለዉ መደባት ምዃኖም ኣነጺራ።

ተሳተፍቲ፡ ጎዳእቲ ልምድታት ንምግታእ ዝካየድ ጎስጓሳትን ኣስተምህሮኣዊ መደባትን ብዝለዓለ ክድፋኣሉ ብምልባው፡ ንምዕባለ ደቂ- ኣንስትዮ ኣብ ዝውደቡ ንጥፈታት ተሳታፍነተን ከም ዘዕዝዛ ኣረጋጊጸን።

Categories