ኣብ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ – ምምሕዳር ከባቢ ባዳ ክካየድ ብዝጸንሐ ጐስጓሳት ርድኢት ነበርቲ ብምብራኹ፡ ተሳታፍነት ተመሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዓመታዊ እናዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ርእሰ-መምህር ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ቦለሊ መምህር ዑስማን ዓሊ ሑመድ፡ ኮሚቴ ወለዲ ምስ መማህራን ብዘለዋ ጥቡቕ ምትእስሳር፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ካብ ትምህርቲ ኣቋሪጸን ዝነበራ ደቂ-ኣንስትዮ እውን ዳግማይ ናብ ትምህርቲ ክምለሳ ብዝተኻየደ ጻዕሪ፡ ቊጽሪ ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመተ-ትምህርቲ ብ12 ሚእታዊት ክብ ከምዝበለ ገሊጹ።

እታ ቤት-ትምህርቲ ኣብ’ዚ ዓመተ- ትምህርቲ ናብ ካልኣይ ደረጃ ምስ ተሰጋገረት፡ ኣብ ሻምናይ ክፍሊ ኣቋሪጸን ዝጸንሓ ደቂ-ኣንስትዮ ናይ 9ይ ክፍሊ ትምህርተን ክቕጽላ ዕድል ከምዝረኸባ፡ ናይ መባእታ ትምህርቶም ዝዛዘሙ ተመሃሮ ዓድታት ዓዳይቶ፡ ሲሙቲ፡ ዓንዳላን ኣልሓን ድማ ናይ ማእከላይ ደረጃ ትምህርቶም ኣብ ቦለሊ ይቕጽሉ ከምዘለዉ፡ መምህር ዑስማን ዓሊ ወሲኹ ኣረዲኡ።

ወለዲ፡ ኣፍልጦኦምን ንቕሓቶምን ኣብ ኣገዳስነት ትምህርቲ እናዓበየ ከምዝመጸ፡ ምስ ምስፋሕ ኣገልግሎት ትምህርቲ ግዳ፡ ቊጽሪ ተሳታፍነት ተመሃሮ ብሓፈሻ፡ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ፡ ከም’ቲ ክኸውን ዝግብኦ ብዘይምዃኑ፡ ጐስጓሳትን ኣስተምህሮታትን ክሕይል ተላብዮም።

ብኻልእ ወገን ነበርቲ ባዳ፡ ዝተዋደደሎም ፕሮጀክት ጽሩይ ዝሰተ ማይ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝፈጠረሎም ርግኣት መነባብሮ፡ ኣብ ምውሓስ ጥዕናኦም’ውን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ገሊጾም።

ቅድሚ ሕጂ ንብዙሕ ሰዓታት ተጓዒዞም ብዝረኽብዎ ዝነበሩ ጽሬቱ ዘይተሓለወ ማይ፡ ኣደዳ ማይ-ወለድ ሕማማት ይኾኑ ምንባሮም ብምዝካር፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግን ኣብ ቀረባኦም ጽሬቱ ዝተሓለወ ማይ ይሰትዩ ስለዘለዉ፡ ጸገማቶም ከም እተቐንጠጠ ሓቢሮም።

ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብሓፈሻ – ማይ፡ ጥዕናን ትምህርቲን ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ምጥርናፍ ዓድታት ልዑል ተራ ከምእተጻወተ፡ ኣብ ቊጽሪ ነበርቲ ዝተራእየ ዕብየት ከኣ ናቱ ውጽኢት ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

Categories