ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣብ 123 ዲጋታትን ራህያታትን ኣርባዕተ ዓሌታት ዓሳ ንምፍራይ – ብ23 ጥሪ ኣብ ዝተወደበ ዓውደ-መጽናዕቲ ተዘትዩ።

ብመሰረት ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ኣብ ዝርከባ ዲጋታት፡ መብዛሕትኦም ኣብ ጥዑም ማይ ዝነብሩ ዓሳታት ክፋረዩን ክዓብዩን ከምዝኽእሉ ምርግጋጹ፡ ኣብቲ ዘተ ተገሊጹ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ዞባ ማእከል፡ ኣቶ ኤሳው ትኩእ፡ ዕላማ’ቲ ፕሮጀክት፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ርሒቖም ዝነብሩ ዜጋታት፡ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝርከባ ዲጋታት ዓሳታት ብምፍራይ፡ ዓሳ ከምዝምገቡን ሃብታም መኣዛዊ ትሕዝቶ ከምዝረኽቡን ንምግባር ምዃኑ ኣብሪሁ።

ምርባሕ ዓሳታት ኣብ ጥዑም ማይ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ውሕስነት መግቢ ዘለዎ ኣበርክቶ፡ ጽግዕተኛነት ኣብ ቀይሕ ስጋ ኣብ ምንካይ፡ ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር፡ ከምኡ’ውን ቀጻልነት ዘለዎ ንኡስ ቊጠባዊ ንጥፈት ኣብ ምርግጋጽ ኣስተዋጽኦ ከምዝገብር፡ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ዘቕረቡ ክኢላታት ገሊጾም።

ኣብ’ቲ ካብ 2017 ዝተበጋገሰ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ፕሮጀክት፡ ኣብ ዲጋታት ቶኮር፡ ማይ-ነፍሒ፡ ዓዲ ሻኻ፡ ጋላ፡ ሓየሎ፡ ዓዲ ቢደልን ጣዕረሽን ዝተኻየደ ፈተነ ጽቡቕ ውጽኢት ከም እተረኽቦ፡ ብዝሰፍሐ ንምትእትታው ድማ ንሓረስቶት ስልጠናን ጐስጓስን ከምዝካየድ እውን ተሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ልምዓት ዓሳ ኣብ ጥዑም ማይ፡ ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት መኣዛዊ መግቢን ምምሕያሽ መነባብሮ ኣብ ገጠራት ዝነብር ሕብረተሰብን ንዘለዎ ኣበርክቶ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ክኢላታት ብምምዳብ፡ ንሓረስቶት ስልጠናታት ክወሃብ፡ ኣብ መኣዶም ድማ ዓሳ ከም ዘዘውትሩ ንምግባር ውሁድ ጻዕሪ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።

ኣብ ዞባ ማእከል፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሜተር ኩቦ ማይ ዝሕዛ 6 ዓበይቲ ዲጋታት፡ ካብ 500 ሽሕ ክሳብ ሓደ ሚልዮን ሜተር ኩቦ ዝሕዛ 10 ዲጋታት፡ ክሳብ 700 ሽሕ ሜተር ኩቦ ዝሕዛ ድማ 51 ዲጋታት ኣለዋ።

Categories