ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣቶ ዑስማን መሓመድ- ዑመር፡ ብ12 ጥሪ ንኤርትራውያን ነበርቲ ዱበይን ከባቢኣን፡ ኣብ ኩነታት ሃገርን ተራ ዜጋታትን ሰሚናር ኣካዪዱ።

ቊጠባ ሃገር ንምውሓስ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ጽቡቕ ገስጋስ የመዝግብ ከምዘሎ፡ ወሰንቲ ልምዓታዊ ትሕተ-ቅርጺታት ምውዳድን፡ ኣገልግሎታት ማይን ኤለክትሪክን ምርግጋጽን ድማ፡ እቶም ብኣድማዕነት ዝትግበሩ ዘለዉ ምዃኖም ኣብሪሁ።

ምልኣት ትግባረ ሃገራዊ መደባትና፡ ኣብ ጥምረትናን ሓድነትናን’ዩ ዝምርኰስ” ዝበለ ኣምባሳደር ዑስማን፡ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝነብሩ ዜጋታት – ውዳቤታቶም ብምሕያል ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ኣዘኻኺሩ። ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረበ ሕቶታት ድማ መብርሂ ሂቡሉ።

Categories