በዓል ጥምቀት፡ ትማሊ 19 ጥሪ ኣብ መላእ ሃገር ብልዑል ማዕርግ ተኸቢሩ። ታቦታት ብድሮኡ እዮም – ከካብ ኣብያተ-ክርስትያኖም ብመእመናን ተሰንዮም ብምጉዓዝ ኣብ ባሕረ-ጥምቀት ሓዲሮም።

ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ መእመናን ኣብ ዝተሳተፍዎ ስነ-ስርዓት፡ ብመዘምራን በዓል ተራ ደብሪን ካብ ሕብረት ውሉደ ክህነት ብዝተወከሉን ‘ሰበኻ’ ድሕሪ ምክያድ፡ ብመሪሕነት ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣቡነ ሉቃስ ቡራኬን ኣስተምህሮን ተዋሂቡ።

ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ምሉእ ለይቲ ክበጽሕ ዝሓደረ ጸሎተ ማህሌት እውን – ትማሊ ንግሆ፡ ብመሪሕነት ብጹእ ኣቡነ ሉቃስን ሊቃውንትን፡ ኣብ ዙርያ ባሕረ- ጥምቀት ቅዳሴን ጸሎተ ወንጌልን ዓሪጉ።

መሪጌታ ስምኦን በየነ፡ ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣ በዓለ-ጥምቀት ዝምልከት ኣስተምህሮ ድሕሪ ምሃብ፡ ነቶም ብዋጋ ዘይትመን መስዋእቲ ከፊሎም ሃገር ዘረከቡና ሰማእታት – ‘መንግስቲ ሰማያት’፡ ንዝሓመሙ ‘ምሕረት’፡ ኣብ ሓዘንን ሽግርን ንዘለዉ ድማ ‘ሰላምን ፍቕርን’ ሂቡ ከጸናንዖም ተመንዮም።

ብብጹኣን ጳጳሳትን ሊቃውንትን ባሕረ- ጥምቀት ተባሪኹ ናብ ህዝቢ ምስ ተነጽገ፡ ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ፡ ኩሉ ዜጋ ኣኣብ እምነቱ ጸኒዑ ንሰላም ክጽሊን፡ ንድሕነትን ልምዓትን ሃገሩ ክቐውምን ምዒዶም።

ኣብ መወዳእታ፡ ታቦታት ብምእመናን ተሰንዮም ነናብ ኣድባራቶም ተመሊሶም።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣቶ ዘርኢት ተወልደብርሃንን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ- ስልጣን መንግስትን ዕዱማት ኣጋይሽን ተሳቲፎም።

Categories