ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ምነ፡ ኣብ 2017 ዝተዓሙ መደባት፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ እውን ብዝሓየለ ኮማዊ ውዳቤ ክቕጽሉ ምዃኖም፡ ህዝብን ምምሕዳርን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ተገሊጹ።

እቶም ዝሓለፈ ዓመት ብኣድማዕነት ዝተተግበሩ መደባት፡ ምስፋሕን ምዕባይን ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ሓውሲ ከተማ ማይ-ምነ፡ መስርሕ መለሳ መሬት ሕርሻ፡ ምህናጽን ምጽጋንን ትሕተ-ቅርጺ ትምህርቲ፡ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከምኡ’ውን ምግራብ ከምዘጠቓልሉ፡ ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኪዳነ ፉሩይ ገሊጹ።

ወከልቲ ህዝቢ 17 ምምሕዳራት ከባቢ ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣኼባ፡ ኣቶ ኪዳነ፡ መሰረታዊ ጠለባት ህዝቢ ንምምላእን ትግባረ ልምዓታዊ መደባት ንምርግጋጽን፡ ኣብ 2018 በብደረጃኡ ዝሰላሰሉ መደባት ተወጢኖም ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ኣገልግሎታት ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ሕርሻን ማሕበራዊ ድሕነትን ናይ ዝተዓሙ መደባት ጸብጻብ ቀሪቡን ተዘትዩሉን።

ሓንቲ ካብ ንኡሳን ዞባታት ዞባ ደቡብ ዝኾነት ንኡስ ዞባ ማይ-ምነ፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ህዝቢ ከምዘለዋ ተፈሊጡ።

Categories