መንግስቲ ኤርትራን መንግስቲ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን፡ ኣብ ህንጸት ናይ ቅጥራን ጽርግያ ዝውዕል – ናይ 87.6 ሚልዮን ዶላር ናይ ልቓሕ ውዕል፡ ትማሊ 18 ጥሪ ኣብ ኣስመራ ከቲሞም።

ነቲ ውዕል፡ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ሚኒስተር ፋይናንስ ኣቶ ብርሃነ ሃብተማርያም፡ ብወገን ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ድማ ኣምባሳደር’ታ ሃገር ኣብ ኤርትራ ሚስተር ያንግ ዚጋንግ እዮም ከቲሞምሉ።

እዚ ናይ ልቓሕ ውዕል፡ ካብ ዓዲ- ጓዕዳድ ናብ ሓበላ ንዝዝርጋሕ ናይ 29 ኪሎ-ሜተር ናይ ቅጥራን ጽርግያ ንምስራሕ ዘኽእል ቀዳማይ ገጽ ፕሮጀክት ንምትግባር ዝውዕል’ዩ።

ሚኒስተር ብርሃነ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ንሕውነታዊ ዝምድና ኤርትራን ቻይናን ጠቒሱ፡ መንግስቲ ቻይና ኣብ መደባት ልምዓት ኤርትራ ንዝገብሮ ዘሎ ምድግጋፍ ኣመስጊኑ።

ኣምባሳደር ያንግ ዚጋንግ ብወገኑ፡ እቲ ውዕል፡ ኣካል ናይ’ቲ ኣብ መንጎ ሃገሩን ኤርትራን እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ቊጠባዊ፡ ፖለቲካውን ማሕበራዊን ምትሕግጋዝ ምዃኑ ገሊጹ።

Categories