ኣብ 2017፡ በብእዋኑ ወዲቑ ዝተረኽበ 3.5 ሚልዮን ናቕፋ ዝግመት ጥረ ገንዘብን ንብረትን ናብ ፖሊስ ምርካቡ፡ ንጭዋ ባህልን ክብርታትን ህዝቢ ኤርትራ ዘጒልሕ ምዃኑ ፖሊስ ኤርትራ ገሊጹ።

ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ፖሊስ ኤርትራ ሜጀር ንርኣዮ ተኽለ፡ ዘይናትካ ዘይምድላይን ብሃፈ-ጻማኻ ምንባርን ካብ ብሉጻት ክብርታት ሕብረተ-ሰብና ስለዝኾኑ፡ ኣብ ኤርትራ ጠፊኡ ዝተርፍ ንብረት ይኹን ገንዘብ ከምዘየለ ጠቒሱ፡ ነዚ ቅዱስን ሰናይን ተግባር፡ ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ዜጋታት ክሳተፍዎ ምርኣይ፡ ነቲ ሰሪጹ ዘሎ “ዘይናትካ ኣይናትካን’ዩ” ዝብል ጸኒሕ ባህሊ ዘነጽር ምዃኑ ሓቢሩ።

ተርእዮ በደላትን ገበናትን ኣብ 2017፡ ቅድሚኡ ምስ ዝነበረ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብ13 ሚእታዊት ምንካዩ፡ ፖሊስ ኣብ ምክልኻል’ቲ ተርእዮን ምቅላዕ ገበነኛታትን ኣጥርይዎ ንዘሎ ተመኲሮ በቲ ሓደ፡ እናበረኸ ዝመጸ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ ድማ በቲ ካልእ ዝምስክር ምዃኑ ዝገለጸ ሜጀር ንርኣዮ፡ ተርእዮ ሓደጋታት ትራፊክ ብ15 ሚእታዊት ምውሳኹ ግን፡ ኣብ ድሕነት ትራፊክ ብዙሕ ዝተርፍ ስራሕ ከምዘሎ ኣገንዚቡ።

በብከባቢኡ ንዝውደብ ኣስተምህሮታትን ሰሚናራትን ብዝምልከት፡ ሜጀር ንርኣዮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ዝተሳተፎ ጐስጓሳት ከምእተኻየደ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ዕማማት ፖሊስ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ ሓቢሩ።

ተራ ህዝቢ ኣብ ምክልኻል ገበናትን በደላትን ከምኡ’ውን ኣብ ድሕነት ትራፊክ ከም ዝዓቢ ምግባር፡ ካብቶም ናይ’ዚ ዓመት’ዚ መደባት ምዃኖም ብምሕባር ከኣ፡ ህዝቢ ከም ወትሩ ምትሕብባሩ ከዕዝዝ ጸዊዑ።

Categories