በዓል-ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን፡ ኣብ ምግታእ ብርሰት ኣግራብ፡ ምትካል ፈልስታትን ምዕቃብን ምስሳንን እንስሳ ዘገዳምን ዝቐንዐ – ናይ 2018 መደባት ስራሕ ሓንጺጹ።

ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀን ሚኒስተር መሬት፡ ማይን ኣከባብን ኣቶ ተስፋይ ገብረስላሰን ኣብ ዝተረኽቡሉ – ብ17 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ሃገራዊ ሕዛእቲ ሰሜናውን ደቡባውን ባሕሪ፡ ሕዛእቲ ቡሪ፡ ኣይሮሪን ሃዋኪልን፡ ሕዛእቲ ጋሽ-ሰቲት ክሊ ሓራምዝ፡ ከምኡ’ውን ሕዛእቲ ደሴት ዳህላክ ምክትታል ክግበረሉ እንከሎ፡ ሕዛእቲ ዛራ-ከርከበት መጽናዕቲ ከምእተኻየደሉ፡ ብዛዕባ ኣዕዋፍ፡ ለመምትን ምድረ-ማያውያንን ኣፍልጦ ህዝቢ ኣብ ምዕባይን ሓምላይ ወፍሪ ኣብ ምዕዋትን ድማ ዕዉት ስራሓት ከምእተሰላሰለ ተገሊጹ።

ኩነታት እንስሳ ዘገዳምን መዕቈቢኦምን ደሓን ከምዘሎ፡ ንኣድጊ በረኻ ዝኸውን ሕዛእቲ ብዘይምምስራቱን ሃገራዊ ሕዛእቲ ብዘይምኽላሉን ምስ እንስሳታት ዘቤት ምቅጻጽ ይቕጽል ምህላዉ፡ ናይ 22 መበቈላውያን ኣግራብ ዝርከቦ – ልዕሊ 54 ዓይነታት ፈልሲ ኣግራብ ብምፍላስ 800 ኪሎ-ግራም ዘርኢ ከምእተኣከበን ከምእተዘርአን. . .እቲ ዝቐረበ ጸብጻብ የረድእ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ በዓል-ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛ፡ ቀላጥ ቦታታት ናብ ንቡር ንምምላስን ዝተባሕጎጐ ቦታታት ንምፍዋስን ብዕቱብ ይስራሓሉ ከምዘሎ ብምሕባር፡ እዚ ንጥፈታት’ዚ ኣብ ምስሳን እንስሳ ዘገዳምን ምውሓስ መዕቈቢኦምን ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ ድማ፡ ኩሉ’ቲ ዝካየድ ናይ ምግራብ መደባት ኣብ ምሕደራ ዓድታት ዝተመርኰሰ ክኸውን፡ ናይ ሓለዋኡ ጉዳይ እውን ውሕስነት ብዘለዎ ኣገባብ ክስራሓሉ ኣዘኻኺሩ።

ሚኒስተር መሬት፡ ማይን ኣከባቢን ኣቶ ተስፋይ ገብረስላሰ እውን፡ እቲ በዓል-ስልጣን – ዓበይቲ መደባት ከምዝተግበረ፡ ምስ ዘሎ ብድሆታት ግዳ ዝተርፎ ብዙሕ ምዃኑ ተገንዚቡ፡ ንመጻኢ ወለዶታት ኣብ ግምት ብዘእተወ ኣገባባት ክሰርሕ ተላብዩ።

Categories