ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣውስትራልያ፡ ካብ 12 ክሳብ 15 ጥሪ ኣብ ከተማ መልበርን ብልዑል ሃገራዊ መንፈስ ተቓኒዑ።

እቲ “ብርሃን ንደርማስ ምዕባለ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምትእኽኻብ፡ ስነ-ህንጻ ከተማ ኣስመራ ዘንጸባርቕ ስእላዊ ምርኢት፡ ሰሚናር ኣብ ህልው ኩነታት፡ ባህላውን ኣዘናጋዕን መደባት፡ ኣብ ጥዕናን ዕደናን ዘተኰረ ኣስተምህሮ፡ ስፖርታዊ ውድድራትን ካልእ ትሕዝቶን ዘጠቓለለ ነይሩ። ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ዝደመቐ “መዓልቲ ስድራ-ቤታት” እውን ተወዲቡ።

ወከልቲ ውዳበታት ማሕበረ-ኮማት – ህግደፍ፡ ሃማደኤን ካልኦትን ዝተሳተፍዎ ገምጋም ንጥፈታት ተኻዪዱን፡ ማሕበረ-ኮማት ብሓያል ውዳበ ክሰርሓ ተወሲኑን።

ኣብ መዛዘሚ ናይ’ቲ ካብ መላእ ኣውስትራልያ ዝመጹ ኤርትራውያንን ኣዕሩኽ ኤርትራውያንን ዝተሳተፍዎ ፈስቲቫል፡ ኣብ ውድድራት ስፖርት ንዝተዓወቱ ሽልማት ተዓዲሉ።

ጠቕላሊ ቈንስል ሃገረ-ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዝላንድን ኣቶ መሓሪ ተኸስተ፡ እቲ ፈስቲቫል ብኹሉ መለክዒታት ዕዉት ምንባሩ ድሕሪ ምሕባር፡ ጽቡቕ ኣበርክቶ ንዝነበሮም ምስጋና ኣቕሪቡ።

Categories