ተመሃሮን መማህራንን ዝሓቘፈ ጉጅለ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን (UCL)፡ ስነ- ህንጻዊ ጸጋታት ከተማ ኣስመራ ብኣካል ንምርኣይን ብዛዕባኡ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ንምድላውን፡ ካብ 7 ክሳብ 13 ጥሪ ዑደት ኣካዪዱ።

ኣብ’ቲ ዑደት፡ ናይ ድሕረ-ምረቓ – ማለት ናይ ማስተርስ ትምህርቲ ዝከታተሉ ዘለዉ 12 ተመሃሮን፡ 2 ናይ ፕሮፈሰር ማዕርግ ዘለዎም መማህራኖምን ተሳቲፎም።

ምስ ፕሮጀክት ታሪኻዊ ውርሻ ኣስመራ ብምትሕብባር ነዚ ዑደት ዝወደበ ተመራማሪ ታሪኻዊ ቅርስታት ከተማ ኣስመራ – ዶክተር ኤድዋርድ ደኒሰን፡ ብርቂ ህንጻታት ከተማ ኣስመራ ኣብ ኣካዳሚያዊ መጽናዕትታት ምእታዉ፡ ብልጫኡ ብቐሊል ዝጥመት ከምዘይኮነ ኣረዲኡ።

ኣብ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ምስ ተመሃሮ ስነ-ጥንቲ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ-ዘተን ናይ ምልውዋጥ ተመኲሮ መደብን፡ ዶክተር ኤድዋርድ ደኒሰን፡ ፕሮፈሰር ሃና ኮርለት ከምኡ’ውን ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን፡ መጽናዕታዊ ጽሑፋትን መግለጺታትን ኣቕሪቦም።

ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን ንዑደቶም ብዝምልከት ምስ ኤሪና ኣብ ዝገብረዎ ቃለ-መሕትት፡ ፍሉይነት ታሪኽን ባህላዊ ጸጋታትን ህዝቢ ኤርትራ ዘሕደረሎም ተመስጦ ገሊጾም።

ኣስመራ፡ ብ8 ሓምለ 2017 “ኣስመራ ዘበናውነት እተንጸባርቕ ከተማ ኣፍሪቃ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ መዝገብ ‘ዓለማዊ ውርሻ’ ድሕሪ ምስፋራ፡ ኣብ ልዕሊኣ ዝጸንሐ ተገዳስነት እናዓበየ ክመጽእ ምጽንሑ ይፍለጥ።

Categories