ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ምስ ዩኒቨርሲቲ ዱንዲ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ብምትሕብባር፡ ብምዕቡል ኣተኣላልያ ሕሙማት – ብደረጃ ማስተርስ ከምህሮም ዝጸንሐ 15 ኣባላቱ ትማሊ 17 ጥሪ ኣመሪቑ።

ኣብ’ቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ወከልቲ ዩኒቨርሲቲ ዱንዲ፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታትን ዕዱማትን ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሑሴን፡ እቲ መደብ ኣካል ናይ’ቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ንዝነጥፍ ዘሎ ዓቕሚ-ሰብ ንምምዕባል ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ ምዃኑ ሓቢራ።

ካብ 2003 ጀሚሩ፡ ምስ ዩኒቨርሲቲ ዱንዲ ብምትሕብባር 156 ኣባላት ብዝተፈላለዩ ሞያታት ብቐዳማይ ዲግሪ ከምእተማህሩ፡ እዞም ናይ ሕጂ ድማ ብደረጃ ማስተርስ ዝምረቑ ዘለዉ ናይ ፈለማ ከምዝኾኑ ገሊጻ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዱንዲ ዲን ቤት- ትምህርቲ ነርስን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን ፕሮፌሰር ሊን ኪልብራይድ፡ እዚ ኣስታት 15 ዓመታት ኣቚጺሩ ዘሎ ናይ ትምህርቲ ዝምድና፡ ንዩኒቨርሲቲኦም ሓበን ምዃኑ፡ ኣብ 2013 ዝጀመረ ናይ ማስተርስ ፕሮግራም መፈጸምታኡ ክርእዩ ብምብቃዖም ድማ ክብሪ ከም ዝስመዖም ኣረዲኣ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ግዝያዊ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ፖሊሲን ውጥንን ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ዶክተር ብርሃነ ደብሩ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ብናይ ርሕቀትን ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ናብ ወጻኢ ብምልኣኽ ዓቕሚ-ሰቡ ኣብ ምምዕባል ይሰርሕ ከምዘሎ፡ እዞም ብደረጃ ማስተርስ ዝተመረቑ 15 ሞያውያን እውን ናቱ ኣካል ምዃኖም ገሊጹ።

Categories