ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት፡ ንኮማዊ ተሳትፎ ኣብ ምዕዋት መደባት ልምዓትን ምምላእ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ሞጒሱ።

ኣቶ ኣሕመድ መሓመድኖር ረጀብ ምስ ህዝቢ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ጸገም ዝስተ ማይ ንምቅላል ብዝተወስደ ተበግሶ፡ ተባላሽዩ ዝነበረ መሳርሒታት ከምእተጸገነ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ መሬት ዝሸጡ ሰባት ሕጋዊ ስጉምቲ ከምእተወስደሎም ድሕሪ ምሕባር፡ ንማዕከን ሕድሪ ሰማእታት 156 ሽሕ ናቕፋ፡ መደባት ትምህርትን ጥዕናን ንምድንፋዕ 90 ሽሕ ናቕፋ ብህዝቢ ከምእተወፈየ ገሊጹ።

ብምትሕብባር ህዝብን ኣካላት መንግስትን ግንባርን፡ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ምግራብን ምሕጋዝ ጽጉማትን ዝምስገን ስራሕ ከምእተዓመ ጠቒሱ ድማ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብዝሓየለ ውዳበን ውህደትን ክስራሓሉ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣብ መስመር ከረን – ኣፍዓበት ዕለታዊ ዝኾነሉ ኩነታት ክፍጠር፡ ዝርጋሐ መስመር ኤለክትሪክ ክቀላጠፍ፡ ኣብ ቅላመትን ፈልከትን ንብዝሒ ነበርቲ ኣብ ግምት ብምእታው ትካል ጥዕና ክውሰኽ፡ ኣብ ሆስፒታል ኣፍዓበት ኣገልግሎት መብጣሕትን ሕክምና ስንን ክተኣታቶ ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ንኡስ ዞባ መንሱራ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ርክብ፡ ኣብ ምጥርናፍ ቁሸታት፡ ምዕባይ ኣታዊታት፡ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከምኡ’ውን ኣብ ምዂስኳስ ብቑዓት መንእሰያት ብዕቱብ ክስራሕ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ሸኸዲን ሳልሕ፡ ዝተወጠኑ መደባት ንምዕዋት፡ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል እጃሙ ከበርክት ብምልባው፡ ኣብ ምምዳራት ከባቢ ተዋዲዱ ዘሎ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ግቡእ ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ክግበረሉ፡ ብርሰት ኣግራብ ንምግታእ ድማ ውሁድ ጻዕሪ ክካየድ ተማሕጺኑ።

Categories