ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2018፡ ኣብ ኣገደስቲ ዞባዊ ምዕባለታት – ምስ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ቃለ- መሕትት ኣካዪዱ።

ብቕድሚ ትማሊ 14 ጥሪ ብድምጺ ሓፋሽ ኤርትራን ኣገልግሎት ቴለቪዥን ኤርትራን ብቐጥታ ኣብ ዝተፈነወ ቃለ-መሕትት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ – መበገስን ዕላማን ናይ’ቲ መደበር ቴለቭዝን ኣልጀዚራ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋውሓቶን ብዘይዝኾነ ምጽራይ ብሓያሎ ማዕከናት ዜና ዓለም ዝተደጋገመን፡ “ብታንክታትን ነፈርትን ዝተሰነዩ ሰራዊት ግብጽን ኢማራትን ኣብ ሳዋ ዓስኪሮም ኣለዉ” ዝብል ወረ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ – እዚ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት “ወተሃደራዊ መዓስከራት ኢራንን እስራኤልን ኣብ ዳህላክ”፡ “መጸናጸኒ መደበር እስራኤል ኣብ እምባሶይራ” ከምኡ’ውን “ሰራዊት ግብጺ ኣብ ጸሮና” እናተባህለ ዝተጋውሐ ሕሱር ሓሶታት ምዃኑ ብዝርዝር ኣረዲኡ።

ጉዳያት ክትዕብልዂን ካብ መኣዝኖም ከተውጽእን ዝግበር ህድማ ንቕድሚት ምዃኑ ብምጥቃስ ከኣ፡ ኤርትራ ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኣሽካዕላል ክትዕደም ቅርብቲ ከምዘይኮነት ኣገንዚቡ።

ብፍላይ’ዚ ኣብ መወዳእታ ዝተማህዘ ሓሶት፡ ብቐንዱ ብወያነን ኣብ ሱዳን ዝርከብ ውሱን ጉጅለ ፍሉይ ረብሓን ዝተሃንደሰን፡ ንሱዳን ኣብ ዘየድሊ ግጭት ንምእታው ዝዓለመን ስለዝኾነ፡ ህዝቢ ሱዳን በዚ ከም ዘይድህለል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብሪሁ።

“ቱርኪ ኣብ ሱዳን ወተሃደራዊ መዓስከር ክትድኲን መደብ ኣለዋ. .” ንዝብል ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ – ቱርኪ ሓንቲ ካብተን ምስ ‘ናይ ዓለም ሓያላን ኢና’ ዝብሉ ሓይልታት ተሰማሚዐን ጽልዋአን ከስፍሓ ዝፍትና ሃገራት እኳ እንተኾነት፡ “እዚ ወረ’ዚ ግን፡ ዝርዝሩ ብጭቡጥ ክሳብ ዝፍለጥ፡ ካብ ናይ ህዝባዊ ርክባት ሃልኪ ዝወጽእ ኣይኮነን፣ ኪኖኡ ዝኸይድ እንተዀይኑ ግን፡ ንተኣፋፍነት ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዓበይቲ ምልክታት ሕቶ ዘለዓዕል’ዩ” ክብል ኣነጺሩ።

(ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ-መጠይቕ ኣብ ገጽ 3 ረአ)

Categories