ፖሊስ ኤርትራ፡ ናይ 2017 ስራሓቱ – ብ9ን 10ን ጥሪ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባታት ገምጊሙ።

ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ኮሎኔል መሓሪ ጸጋይ፡ ኣብ ምክልኻልን መርመራን ገበን፡ ምሕደራን ኣገልግሎታትን፡ ቊጽጽርን ኣገልግሎት ሕጊን፡ ውጥንን መጽናዕትን፡ ኣብ ዜናዊን ጐስጓሳዊን ንጥፈታት ናይ ዝተሰላሰሉ መደባት ጸብጻብ ኣቕሪቡ።

ኣብ’ቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ውሽጢ 12 ኣዋርሕ ኣስታት 14 ሽሕ ጥርዓናት ገበናትን በደላትን ከምእተመዝገበ፡ እዚ ከኣ ምስ ናይ 2016 ክነጻጸር እንከሎ ብ13 ሚእታዊት ከምዝነከየ፡ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ዝጠሓሳ ልዕሊ 120 ሽሕ ተሽከርከርቲ ክሲ ከምዝቐረበን ናይ ልዕሊ 22 ሚልዮን ናቕፋ መቕጻዕቲ ከምእተበየነን በሪሁ።

ኣብ ከተማታት 3400፡ ካብ ከተማ ወጻኢ ድማ 1200 ሓደጋታት ተኸሲቱ – ከም ሳዕቤኑ ከኣ 141 ሰባት ሞይቶም፡ ልዕሊ 1840 ኣካላዊ ጉድኣት ኣጋጢምዎም፡ ኣብ ልዕሊ ንብረት ድማ ልዕሊ 71 ሚልዮን ናቕፋ ዝግመት ዕንወት ወሪዱ።

“ምስ ህዝቢ ዝተኻየደ ሰፋሕቲ ርክባት፡ ኣብ ምክልኻል ገበናትን በደላትን ልዑል ኣስተዋጽኦ ነይርዎ” ዝበለ እቲ ጸብጻብ፡ 2530 ዜጋታት  ወዲቑ ንዝረኸብዎ ብጠቕላላ 3.5 ሚልዮን ናቕፋ ዝግመት ጥረ ገንዘብን ንብረትን ናብ ፖሊስ ከም ዘረከብዎ ገሊጹ። ፍርቂ ካብ’ዚ ናብ ዋናታቱ ከም እተመልሰ ዝተረፈ ድማ ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኮሎኔል መሓሪ ጸጋይ ኣብ መወዳእታ፡ ኣኣብ ዓውዶም ጸብለልታ ንዘርኣዩ ኣብነታውያን ኣባላት ፖሊስ ሽልማት ሂቡ።

Categories