ኣብ’ዚ ወቕቲ’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ቀዝሒ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር፡ ክሳብ ዝመጽእ ወርሒ መጋቢት ክቕጽል ስለዝኽእል – ዜጋታት ጥንቃቐ ክገብሩ፡ ሓላፊ ኣሃዱ ሜትዮሮሎጂ ኣቶ ኢሳቕ ፍስሃ ኣዘኻኺሩ።

ናይ ኤርትራ ክሊማ፡ ክልተ ኣብ ሰሜናዊ ቅናት ምድሪ፡ ክልተ ድማ ኣብ ደቡባዊ ቅናት ምድሪ ብዝኽሰት ጸቕጢ ኣየር ከምዝጽሎ ዘረድአ ኣቶ ኢሳቕ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝነፍሱ ዘለዉ ንፋሳት መበገሲኦም ካብ ሳይበርያን ምዕራብ ኤውሮጳን ስለዝኾነ ዛሕሊ ጸይሮም ክመጹ ንቡር ምዃኑ ብምሕባር፡ እዚ ካብ ወርሒ መስከረም ዝጀመረ ዝሑል ክሊማ ድማ ክሳብ ወርሒ መጋቢት ክጸንሕ ከምዝኽእል ኣሚቱ።

ናይ ሎሚ ዓመት ቀውዒን ሓጋይን፡ ካብ’ቲ ናይ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዝበርትዐ ዛሕሊ ዝተራእየሉ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ኢሳቕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ክሳብ ኣሉታ 4 ዲግሪ ሰንቲ-ግሬድ፡ ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ጥሪ ድማ ኣሉታ 2 ዲግሪ ሰንቲ-ግሬድ ተመዝጊቡ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ብፍላይ ኣብ ወርሒ ጥሪ ቅልጡፍ ምቅይያር ዛሕልን ሙቐትን ስለዝርአ፡ ኣብ ኣከዳድናን ኣመጋግባን ጥንቃቐ ዘይምግባር ንሕማም ከቃልዕ ከምዝኽእል እውን ኣገንዚቡ።

ብመሰረት ኣብ ዝሓለፋ 45 ዓመታት ዝተመዝገበ ሓበሬታ ሜትሮሎጂ፡ እቲ ዝተሓተ መጠን ዛሕሊ ዝተመዝገበሉ ዓመት ኣብ 1985 ኮይኑ፡ ኣሉታ 6.5 ዲግሪ ሰንቲ-ግሬድ ነይሩ።

እዚ ሎሚ ዓመት ተመዝጊቡ ዘሎ ኣሉታ 3.8 ድማ፡ 5ይ ደረጃ ከምዝሕዝ ተፈሊጡ ኣሎ።

ሓውሲ ትሮፒካዊ ክሊማን ኣርባዕተ ወቕትታትን ኣብ ዘለዋ ኤርትራ፡ ወቕቲ ሓጋይ – ካብ 22 ታሕሳስ ክሳብ 21 መጋቢት፡ ኣዝመራ – ካብ 22 መጋቢት ክሳብ 20 ሰነ፡ ክረምቲ – ካብ 21 ሰነ ክሳብ 22 መስከረም፡ ቀውዒ ድማ ካብ 23 መስከረም ክሳብ 21 ታሕሳስ ይዝርግሑ።

Categories