ነበርቲ ንኡስ ዞባ ሓመልማሎ፡ ካብ 2008 ኣትሒዞም ብዘካይድዎ ዘለዉ ዘመተ ጽርየት ኣከባቢ፡ ኣብ ጥዕና ደቆምን ከባቢኦምን ጽቡቕ ውጽኢት ከምዝረኸቡሉ ገሊጾም።

እቶም ነበርቲ፡ ሳላ ዝተጠርነፉ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ከምእተዋደደሎም ብምጥቃስ፡ ብዝወስድዎ ዘለዉ ተበግሶታት ምዕቃብ ጽርየት ከባቢ ድማ ተርእዮ ሕማማት ኣዝዩ ከምዝነከየ ገሊጾም።

ከም ውጽኢት ናይ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ዘሰላሰልዎ ወፈራታት፡ ካብ 23 ዓድታት ኣብተን 20 ዓይኒ-ምድሪ ከምእተኣታተወለን፡ እዚ ድማ 87 ሚእታዊት ከምዝሽፍን ተገሊጹ።

ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃን፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢን ዓድታትን ዝሮን፡ ኣጀርበብ፡ ዓዲ ሳንቃ፡ ድገምራድን ደንግርጅባን ኣብ ዝገበሮ ኮለላ፡ ናይ ባህሪ ለውጢ ክግንዘብ ከምዝኸኣለ ሓቢሩ።

ምስ ነበርቲ ኣብ ዝተገብረ ርክብ፡ ሓላፊት ማእከል ጥዕና’ቲ ንኡስ ዞባ ሲስተር ለተሃንስ መንግስተኣብ፡ ተሃኒጹ ዘሎ ዓይኒ-ምድሪ ብጽፈትን ክንክንን ክተሓዝ ብምዝኽኻር፡ ኣብ ባይታ ዝተጨበጠ መኽሰባት ንኽዕቀብ፡ ወፈራታት ጽርየት ብሰፊሑ ክስራሓሉ መኺራ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ዓንሰባ ሓላፊ ኣሃዱ ኣከባብያዊ ጽርየት፡ ኣቶ ብርሃነ ገብረኪዳን ብወገኑ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሓመልማሎ ዝሰላሰል ዘሎ ኮም ዝመርሖ ንጥፈታት ኣከባብያዊ ጽርየት ውጽኢታዊ ኮይኑ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ምዕቃቡ ሓላፍነት መላእ ሕብረተሰብ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣብ 9 ንኡሳን ዞባታት ዓንሰባ፡ ካብ 301 ዓድታት 224 ዓይኒ-ምድሪ ከምዘተኣታተዋ፡ ጸብጻብ ኣሃዱ ኣከባብያዊ ጽርየት ሚኒስትሪ ጥዕና ጨንፈር ዞባ ዓንሰባ ይሕብር።

Categories