ኣብ ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ፡ ብተበግሶ ህዝቢ ዝሰላሰል ዘሎ መስርሕ ምጽጋንን ምስፋሕን ጽርግያታት፡ ኣብ ቀዳማይ ገጹ – ካብ ዓዲ ገብሩ ናብ ምለዛናይ ዝኣቱ ክፋል፡ ብዶዘር ብዝተሰነየ ስራሕ ከምእተዛዘመ ተገሊጹ።

እቲ ስራሕ፡ ምግፋሕን ምምድማድን ጸበብቲ ጽርግያታት፡ ምህናጽ ቢንቶታት፡ ምሕጻር ጥውይዋይ ዝበዝሖ መስመራት ከምዘጠቓልል ዝሓበረ ወኪል ኤሪና፡ ኣብ ካልኣይ ገጽ፡ መስመር ደቂ ሽሓይ – ደርሰነይ ንምጅማር ምድላዋት ከምእተጻፈፈ፡ ንዝምልከቶም ኣካላት ብምጥቃስ ገሊጹ።

ምምሕዳራት ከባቢ ጽላለ፡ መቐርካ፡ ደብሪ ዓድሃንስ፡ ደቂ ሽሓይ፡ ምለዛናይ፡ ዓዲ ንኣምን፡ ደቂ ዘርኡ፡ ደርሰነይን ኣደናን ተጠቀምቲ ናይ’ቲ ብገጻት ተኸፋፊሉ ዝዕመም ዘሎ ፕሮጀክት ምዃነን ተፈሊጡ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ ኣቶ ኢሳቕ ጥዑም፡ ጽርግያ መሰረት ምዕባለ ስለዝኾነ፡ ህዝቢ ነቲ ጀሚርዎ ዘሎ ቅዱስ ተበግሶ ኣብ መፈጸምታኡ ንምብጻሕ ኣበርክቶኡ ከዕዝዝ ኣዘኻኺሩ።

Categories