ንትግባረ ጥዕናዊ መደባት፡ ውህደት ምምሕዳራትን ሞያውያን ጥዕናን ክዓዝዝ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ዓንሰባ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ሓጋዝ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ዓንሰባ ዶክተር ከሰተብርሃን ሰሎሞን፡ ዝሓለፈ ዓመት ድሕነትን ጥዕናን ነበርቲ – ብልዑል ተሳትፎ ኮማት፡ ኣመሓደርቲ ከባቢን ወከልቲ ጥዕና ዓዲን ከም እተዋሕሰ ብምዝኽኻር፡ እቲ ምትሕብባር ኣብዚ ዓመት’ዚ እውን ብዝለዓለ ክቕጽል ተላብዩ።

ኣብቲ ኣኼባ፡ ብዛዕባ’ቲ ክውቃዕ ዝድለ ሸቶታትን ብኮም ደረጃ ክሰላሰል ዘለዎ ንጥፈታትን መብርሂ ተዋሂቡ።

ድሕነት ኣደን ህጻንን ንምርግጋጽ ብዝተኻየደ – ንቕሓት ናይ ምብራኽ ንጥፈታት፡ ቊጽሪ ኣብ ትካላት ጥዕና ዝሓርሳ ነብሰ-ጾራት ዕብየት ከምዘመዝገበ እውን በሪሁ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ዝርኣዩ ጸገማት ቅልጡፍ ፍታሕ ክረኽቡ፡ ተራን ኣበርክቶን ተግበርቲ ኣካላት ክብ ክብል ተላብዮም።

Categories