ነበርቲ ሓውሲ ከተማ ማይ-ምነ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ፍግረ-መሬት ንምክልኻል፡ ሰፊሕ ናይ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ንጥፈታት የካይዱ ከምዘለዉ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

እቲ ብህዝቢ ዝሰላሰል ዘሎ ስራሕ – ብቐንዱ ነታ ሓውሲ ከተማን ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከብ ናይ ሕርሻ መሬትን ንምድሓን ዝዓለመ ምዃኑ፡ ነቲ ስራሕ ዝከተታተል ዘሎ ጆሜትራ ተኽሎም ጸጋይ ኣረዲኡ።

እዚ ብምውህሃድ ምምሕዳር ዞባ ደቡብን ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝሰላሰል ዘሎን፡ ኣስታት 1.6 ሚልዮን ናቕፋ ከምዝውድእ ዝተገመተን ፍግረ-መሬት ናይ ምክልኻል መደብ፡ ምህናጽ 13 ዓበይቲ ናይ መንደቕ ከትርታትን ልዕሊ 18 ኪሎ-ሜተር ቅናታዊ ዛላታትን ከምዘጠቓልል እውን ገሊጹ።

ሓውሲ ከተማ ማይ-ምነን ኣብ ከባቢኣ ዝርከብ ናይ ሕርሻ መሬትን፡ ካብ በረኽቲ ቦታታት ብዝፈሱ ወሓይዝ ብፍግረ- መሬት እናተባሕጎጐ ናብ ኣሰካፊ ደረጃ ከምዝወረደ እዩ’ቲ ሓበሬታ ዘረድእ።

Categories