መደበር ቴለቪዥን ኣልጀዚራ ኣብ ናይ 2 ጥሪ 2018 ፈነወኣ፡ ብዛዕባ ምእታው ሰራዊት ግብጺ ናብ መደበር ሳዋ – ዘጋውሓቶ ወረ ከምዘለዎ ነቕርበልኩም።

“ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ፍሉያት ምንጭታት ንልኡኽ ኣልጀዚራ ከምዝሓበርዎ፡ ካብ ግብጺ ዝተላእከ ዘመናዊ ኣጽዋር፡ ወተሃደራውያን ተሽከርከርትን ‘ፎር ዊል ድራይቭ’ (4WD) ዝዓይነተን መካይንን ዘጠቓልል ወተሃደራዊ ደገፍ፡ ኣብ ኤርትራ ናብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ሳዋ ኣትዩ። እዚ ወተሃደራዊ ደገፍ’ዚ፡ ነፈርቲ ዘጠቓለለ ክኸውን ከምዝኽእል’ውን ይግመት።

“መደበር ሳዋ፡ ኣብ ዞባ ጋሽ- ባርካ፡ ኣብ’ቲ ምስ ምብራቓዊ ዶብ ሱዳን ዝዳወብ ከባቢ ዝተደኰነ’ዩ። ብመሰረት’ቶም ምንጭታት፡ ኣብ’ዚ ቀንዲ ወተሃደራዊ መመልመሊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝኾነ መደበር፡ ብርክት ዝበሉ ወተሃደራውን ጸጥታውን ሰበ- ስልጣን ግብጺ፡ ኢማራትን ኤርትራን፡ ከምኡ’ውን ብጉጅለታት ዳርፎርን ምብራቕ ሱዳንን ዝተወከሉ ተቓወምቲ ሱዳን ዝተሳተፍዎ ርክብ ተኻዪዱ።

“እዚ ምዕባለታት’ዚ፡ ምስ’ቲ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣሕመድ ኣልበሺር፡ ኣብ’ቶም ምስ ዞባ ጋሽ-ባርካ ናይ ኤርትራ ዝዳወብ ዞባ ከሰላ ዝርከቦም ሓያሎ ዞባታት ሱዳን፡ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ምእዋጁ፡ ከምኡ’ውን ቀቅድሚ’ቲ ትጽቢት ዝግበረሉን ‘ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድና ዝዓለመ’ ምዃኑ ዝተገልጸን ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝስዕብ ዘሎ እዩ።”

እዚ ሕሱር ወረ’ዚ፡ ዝኾነ ትንታነን መልስን ዘድልዮ ኣይኮነን።

Categories