ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ተሳትፎ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዕብየት ከም ዘመዝገበ፡ ዕድል ትምህርቲ ኣብ ዝሓለፎም ቈልዑ ግዳ – ገና ድኽመት ከምዘሎ፡ ብ28ን 29ን ታሕሳስ ኣብ ዝተቓንዐ ኣኼባ ተገምጊሙ።

ኣብ’ቲ ገምጋማዊ ኣኼባ፡ ሓድሽ ርእሰ-ውጥን ከተማ ሓጋዝ ከምእተዳለወ፡ ተሓሪሱ ካብ ዝተዘርአ ልዕሊ 13 ሽሕ ሄክታር ማእከላይ እቶት ከምእተረኽበ፡ ምድልዳል መሬት ከም እተተግበረ፡ ልዕሊ 83 ሽሕ ጥሪት ክታበትን ኣገልግሎት ሕክምናን ከምዝረኸባ ተሓቢሩ።

ኣመሓዳሪት ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ወይዘሮ ኣምና ሓጂ ዑስማን፡ ኣብ 10 ምምሕዳራት ከባቢ ዝተኻየደ ምርጫታት ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ኣካየድቲ ስራሕን ኣነባበርቲ ዓድን፡ ሰሪጹ ንዘሎ ንቕሓት ዘጒልሕ ምዃኑ ገሊጻ።

ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ተኽለሃይማኖት ሙሳኤል ድማ፡ ርእሰ- ውጥን ሓረስታይ – ምምሕዳር ከባቢ ግላስን ጥርናፈ ዓድታትን፡ ካብቶም ኣብ መስርሕ ዘለዉ መደባት ምዃኖም ኣረዲኡ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሓሽሻይን ኣሸራን ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት- ትምህርቲ ክኽፈት፡ ብውሕጅ ዝብሕጐጉ ዘለዉ ሩባታትን ስንጭሮታትን ንምፍዋስ ናይ ጋብዮናት ሓገዝ ክግበረሎም፡ ሽግር ማይ ሸበቕ፡ ዓድ-ዓረይን ዓድ-ዑመርን ፍታሕ ክናደየሉ ዝብሉ ለበዋታት ኣቕሪቦም።

Categories