እቶት ሕርሻ ንምኽዕባት – መሰረታዊ ነገር ምዕቃብ ማይን ሓመድን ስለዝኾነ፡ ምምሕዳራት ንነበርተን ብግቡእ ወዲበን ዝለዓለ ኣተኲሮ ክህባኦ ከምዝግባእ፡ ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ ኣገንዚቡ።

ብ29 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተገብረ ገምጋም ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሚኒስተር ኣረፋይነ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ከባቢ ብመልክዕ ክረምታዊ ሕርሻ ይኹን ልምዓት መስኖ ዝለምዕ ሕርሻታት ዝድለ ውጽኢት ክህብ፡ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ዘድሃበ ወፈራታት ክድንፍዕ፡ ስሩዕ ምቅይያር ኣዝርእቲ ክድፍኣሉ፡ ተጠቃምነት ባህርያዊ ድዂዒን ምክልኻል ባልዓትን ብሰፊሑ ክተኣታቶ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ’ቲ ዞባ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ልምዓታዊ መደባትን ንጥፈታት ዕብየት ናብራን ዝተሰላሰሉ ስርሓት፡ ገስጋሶምን ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ዘለዎም ኣበርክቶን ዝምልከት ጸብጻባት ቀሪቡን ዘተ ተኻዪዱሉን።

ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ ድማ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ዝካየድ ንጥፈታት ልምዓት ጀራዲንን መእለዪ ወሓይዝን፡ ኣድማዕነቱ ዘረግጋጽ ኣተሓሕዛ ክግበረሉ ተላብዩ።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ፡ ጉዳይ ጥሪትን ውጽኢተንን ንሓረስቶት ብዘተባብዕ ኣገባብ ክስራሓሉ፡ ኣሕምልትን ፍረታትን ንኹሉ ዘርብሕ ምቹእ ባይታ ክፍጠረሉ፡ ምቕርሐ ትራክተራት መንግስቲ ክመሓየሽ፡ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories