ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ፡ ኣልማዕቲ ጀራዲን ሮብሮቢያን ፋጡማ ዓረን፡ እቶታውነቶም ንምዕባይ ዘካይድዎ ጻዕሪ ኣተባባዒ ፍረ ይረኽቡሉ ከምዘለዉ ገሊጾም።

እቶም ዜጋታት፡ ብሚኒስትሪ ሕርሻ ዝወሃቦም ኣስተምህሮን ምኽሪን ከምኡ’ውን ዝግበረሎም ደገፍ፡ ኣብ ዘሰላስልዎ ንጥፈታት ዓቢ ድርኺት ከም ዝፈጠረሎም፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ድማ ኣድህቦኦም ኣብ ዓበይቲ ኣግራብ ፍረታት ኮይኑ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ንኣብነታውያን ሓረስቶት ዝተዓደለ ናይ ተምሪ ፈልሲታት ብሰፊሑ ክተኣታቶ ሓቲቶም።

ሓላፊ ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ተስፋይ ተወልደ፡ እቶታውነት ናይ’ቶም ሓረስቶት እናዓበየ ብምምጽኡ፡ ጠለብ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ዕዳጋታት ኣብ ምምላእ ኣበርክቶ ይገብሩ ምህላዎም ሓቢሩ።

ኣብ ከባቢ ሮብሮቢያን ፋጡማ-ዓረን ብሞተረታትን ብማይ ዛራን ብ52 ኣልማዕቲ ኣስታት 100 ሄክታር መሬት ይለምዕ ከምዘሎ ሰነዳት ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ የረድእ።

Categories