ጨናፍር ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣብ ዞባታት ማእከልን ደቡብን፡ ኣብ 2017 ኣብ ምብራኽ ንቕሓትን ምሕያል ውዳበን ኣተኲሮም ዝተሰላሰሉ መደባት ዕዉታት ምንባሮም ገምጊሞም።

ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ምምልማል ካድራትን፡ ምስ ምምሕዳራት ብምውህሃድ ኣብ ወፈራዊ ልምዓታዊ ስርሓትን ዕዉት መደባት ከምእተተግበረ ተሓቢሩ።

ኣቦ-መንበር ህግደፍ ዞባ ማእከል ኣቶ ዮሱፍ ሳይቕ፡ ኣብ ኩሉ ጽላታት ዝተመዝገበ ገስጋስ፡ ኣብ ዓመተ-2018 ብዝለዓለ ናይ መኸተ መንፈስ ክስራሓሉ ምዃኑ ገሊጹ።

ተሳተፍቲ፡ ውዳበታት ህግደፍ – መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽ ዝካየድ ጻዕርታት ኣብ ምዕዋት ኣበርቲዐን ክሰርሓ፡ ትግባረ ሓድሽ መምርሒ ክራይ ናይ ግሊ ኣባይቲ ንመንበርን ትካላትን ንምቅልጣፍ መሪሕ ተራ ክጻወታ. . . ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ዞባ ደቡብ ብወገኑ፡ ውዳበን ካልእ ፖለቲካዊ ስራሓትን ንምሕያል ዝተዓሙ መደባት ውጽኢታውያን ምንባሮም እዩ ገምጊሙ።

ውዳበን ደረጃ ንቕሓት ካድራትን ክብ ንምባል – ካብቲ ልዑል ቈላሕታ ዝተዋህቦ ምዃኑ ዝሓበረ’ቲ ጸብጻብ፡ ጉጅለታት ህግደፍ ምስ ምምሕዳራት ብምውህሃድ፡ ኣብ ምጽጋን ጽርግያታት፡ ኣብ ምግራብን ካልእን ኣድማዒ ንጥፈታት ከምዘካየዱ ኣብሪሁ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍረም ገብረክርስቶስ፡ ኣበርክቶ ካድራት ኣብ ምዕዋት መደባት ልምዓትን መኸተን መሰረታዊ ስለዝኾነ፡ መሪሕ ተራ ክጻወቱ ኣተሓሳሲቡ።

Categories