Archive - 2017

ማዛባጥ – ፕሮጀክት ማይ ይዋደድ ኣሎ

ኣብ ንኡስ ዞባ ገለብ – ምምሕዳር ከባቢ ማዛባጥ ዘሎ ሽግር ዝስተ ማይ ንምቅላል፡ ብኣስታት 3 ሚልዮን ናቕፋ ፕሮጀክት ማይ ይትግበር ኣሎ። እዚ 10 ሚእታዊት ካብ ወጻኢታቱ ብጉልበት ነበርቲ ዝሽፈን ፕሮጀክት ማይ፡ ምዂዓት 4 ኪሎ-ሜተር ጐዳጒዲ፡ ምዝርጋሕን...

ተሰነይ – ቤት- ትምህርቲ ሳግም ብኣግራብ ትምዕርግ

ቤት-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ሳግም – ተሰነይ፡ ኣብ ምግራብ ብዞባ ደረጃ ኣመዝጊባቶ ዘላ ጸብለልታ፡ ውጽኢት ውሁድ ጻዕሪ ተመሃሮን መማህራንን ምዃኑ፡ ርእሰ-መምህር’ታ ቤት-ትምህርቲ መምህር ተኪኤ መድሃኔ ሓቢሩ። መምህር ተኪኤ፡ እቲ ናይ ምግራብ ስራሓት ኣብ...

ዓምበርበር ሼር ካምፓኒ፡ ቴክኒሻናትን ዓቀብቲ ንብረትን ኣመሪቑ

ዓምበርበር ሼር ካምፓኒ’፡ ብመሰረት መምዘኒታት ኩባንያ ቶዮታ ጃፓን፡ ብክልሰ-ሓሳብን ግብርን ዘሰልጠኖም 16 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 74 ቴክኒሻናትን ዓቀብቲ ንብረትን፡ ብ17 ሕዳር ኣመሪቑ። እቲ ካብ 67 ክሳብ 250 ሰዓታት ዝወሰደ ስልጠናታት፡ 5 ናይ ስራሕ...

መንደፈራ – ንልምዓት ዓሳ ዝምልከት ኣስተምህሮ ተዋሂቡ

ኣብ መንደፈራ፡ ንልምዓት ዓሳ ኣብ ጥዑም ማይን ኣገዳስነቱ ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት መግብን ዝምልከት ኣስተምህሮ ብ14 ሕዳር ተዋሂቡ። ኣብ’ቲ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝመጽኡ ሓለፍቲ ክፍልታት ምምሕዳር ዞባ ደቡብ፡ ከምኡ’ውን ወከልቲ ምምሕዳርን ሚኒስትሪ ሕርሻን...

ጐደናታት ኣስመራ ጸሓያዊ መብራህቲ ይትከለሉ ኣሎ

ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ ናይ ጐደናታት መብራህቲ ብሰፊሑ ይትከል ከምዘሎ፡ ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ሓላፊ ጨንፈር ጸዓት ኣቶ ግርማይ በርሀ ሓቢሩ። እቲ ምስ መንግስቲ ቻይና ብዝተበጽሐ ምርድዳእ ዝሰላሰል ዘሎ ዕማም፡ ካብ ሰምበል ከባቢ ፋብሪካ ኦሞ...

ኣብ ኣፋምቦን ዓዲ-ዃላን ንድንፋዐ ትምህርቲ ተዘትዩ

ኣብ ማእከላይን 2ይን ደረጃ ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ኣፋምቦን ሓሙሽተ ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላን፡ ውጽኢት ትምህርቲ ክብ ንምባል ዝሕግዝ ርክባት ተኻዪዱ። ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ሓላፊ ኣሃዱ መሰረታዊ ትምህርቲ መምህር ኸሊል ዑስማን ንተመሃሮ ኣብ...

“ጸጋታት ብግቡእ ምውዳብ መሰረት ዓወት’ዩ” ጸሓፊ ህግደፍ ዞ/ሰ/ቀ ባሕሪ

ኣብ ትግባረ መደባት ልምዓት፡ ውህደት ዓቕሚታትን ጸጋታትን ልዑል ኣድህቦ ክወሃቦ፡ ጸሓፊ ህግደፍ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ኣቶ ሃይለ ተወልደብርሃን፡ ኣብ ኣፍዓበት ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም ስራሕ ኣገንዚቡ። “ጸጋታትካ ብግቡእ ምፍላጥ፡ ምውዳብን ብውሕልነት...

Login

Categories