ባይቶ ዞባ ደቡብ፡ “ሓድነትና፡ መተካእታ ዘይብሉ ሓይልና” ብዝብል ቴማ፡ መበል 17 ስሩዕ ኣኼባኡ ብ26 ታሕሳስ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣቃኒዑ።

ኣቦ-መንበር ባይቶ መምህር ወልዳይ ገብረ፡ ህዝቢ – ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ናይ’ቲ ዞባ ኣብ ዝትግበሩ ዘለዉ መደባት ልምዓት ንቑሕ ተሳትፎኡ ከዕዝዝ ተላብዩ።

ካብ ናይዚ ዓመት’ዚ ዓበይቲ ምምሕዳራዊ ንጥፈታት፡ መስርሕ መለሳ መሬት 98 ሚእታዊት ዕዉት ምንባሩ፡ ሓድሽ መምርሒ ክራይ ናይ ግሊ ኣባይቲ ኣብ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን በብደረጃኡ ቅጥዕታት ይምላእ ከምዘሎ፡ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍረ ምገብረክርስቶስ፡ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ንምድንፋዕ፡ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምሕያል፡ ከምኡ’ውን ብርሰት ኣግራብ ንምግታእ ኣብ ዝግበር ስራሓት፡ ኣባላት ባይቶ ብዝለዓለ ክሳተፉ ኣዘኻኺሩ።

ባይቶ ኣብ መወዳእታ፡ ሕጽረታትን ብድሆታትን ተራድኦታት ኣፍረይቲ ኣሕምልትን ፍረታትን፡ ከምኡ’ውን ናይ ጸባ ከብቲ ዕቱብ ቈላሕታ ክወሃቦ፡ ዋሕዲ መማዕበሊ እቶት ሕርሻን መድሃኒት ክታበት እንስሳታትን ፍታሕ ክናደየሉ፡ ቱሪዝማዊ ቦታታትን ታሪኻዊ ቅርስታትን ንምዕቃብን ሓድሽ ንምጽናዕን ተበግሶታት ክውሰድ ዝብሉ ውሳነታትን ለበዋታትን ኣሕሊፉ።

Categories