ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ፡ ኣልማዕቲ ጀራዲን ሮብሮቢያን ፋጡማ ዓረን፡ እቶታውነቶም ንምዕባይ ዘካይድዎ ጻዕሪ – ኣተባባዒ ፍረ ይረኽቡሉ ከምዘለዉ ገሊጾም።

እቶም ኣልማዕቲ፡ እቲ ብሚኒስትሪ ሕርሻ ዝወሃቦም ኣስተምህሮን ምኽሪን ከምኡ’ውን ዝግበረሎም ደገፍ፡ ኣብ ዘሰላስልዎ ንጥፈታት ዓቢ ድርኺት ከም ዝፈጠረሎም፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ድማ ኣድህቦኦም ኣብ ዓበይቲ ኣግራብ ፍረታት ኮይኑ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ንኣብነታውያን ሓረስቶት ዝተዓደለ ናይ ተምሪ ፈልሲታት ብሰፊሑ ክተኣታቶ ሓቲቶም።

ሓላፊ ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ተስፋይ ተወልደ፡ እቶታውነት ናይቶም ሓረስቶት እናዓበየ ብምምጽኡ፡ ጠለብ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ዕዳጋታት ኣብ ምምላእ ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ይገብሩ ምህላዎም ሓቢሩ።

ኣብ ከባቢ ሮብሮቢያን ፋጡማ-ዓረን ብሞተረታትን ዛራን ብ52 ኣልማዕቲ፡ ኣስታት 100 ሄክታር ይለምዕ ከምዘሎ፡ ሰነዳት ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ የረድእ።

Categories