ዋሕዲ ዝስተ ማይ ሓውሲ ከተማ ዓዲ-ተከሌዛን ንምፍታሕን ቀጻልነቱ ንምውሓስን ብዞባ ደረጃ ዝወጸ መደብ ንምትግባር፡ ነበርቲ ስሩዕ ወፈራዊ ስራሓት የካይዱ ከምዘለዉ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

እቶም ነበርቲ – ንሻምብቆታት ዝኸውን ጐዳጒዲ ኣብ ምዂዓትን፡ መኸዘኒ ማይ ኣብ ምስራሕን ልዑል ተሳትፎ የርእዩ ከምዘለዉ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዓዲ- ተከሌዛን ኣቶ ሰለሞን ሃይለ ገሊጹ።

እቲ ብህዝቢ ዝዕመም ዘሎ ስራሕ፡ ካብ ምንጪ ማይ ናብ መዐደሊ ነቑጣታት ልዕሊ 2 ኪሎ-ሜተር ዝዝርጋሕ ጐዳጒዲ ምዂዓት፡ ከምኡ’ውን ነቑጣታት ማይ ምውዳድ ከምዘጠቓልል፡ ካብ ኮሚተ ልምዓት ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እቶም ዜጋታት፡ ዘለዎም ጸገም ማይ ንምፍታሕ ብኹሉ ዓቕሞም ተበጊሶም ከምዘለዉ ብምርግጋጽ፡ እቲ ስራሕ ክቀላጠፍ ኩሉ ዝምልከቶ አእጃሙ ከበርክት ተላብዮም።

Categories