ተራ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ልምዓታዊ መደባት ንምሕያልን ተጠቃምነተን ኣብ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንምዕባይን፡ ውዳበታተን ክዓዝዝ ከምዝግባእ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ ምስ ተመሃሮ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ተገሊጹ።

ሓላፊት ሃማደኤ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ወይዘሮ ጽገወይኒ ገብረስላሴ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ተሳትፎ ደቂ- ኣንስትዮ ኣብ ልምዓት ንምዕዛዝን ኣብ ማሕበረ-ቊጠባዊ መዳያት እወታዊ ለውጢ ንምምጻእን ብዝተገብረ ጻዕሪ፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ዘተባብዕ ገስጋስ ከም እተመዝገበ ሓቢራ።

ቃልሲ ዘድልዮም ዘይተወገዱ ሃሰይቲ ልምድታት ከምዘለዉ ዝሓበረት ወይዘሮ ጽገወይኒ፡ መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ ብሕልፊ – ንቕሓተን ኣበሪኸን ኣንጻር’ቶም ሃሰይቲ ልምድታት ደው ክብላ ጸዊዓ።

እተን ተመሃሮ፡ ጐስጓሳትን ኣስተምህሮታትን ኣብ ምብራኽ ንቕሓተን ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ብወገነን ውዳታት ማሕበር ንምሕያል እጃመን ከበርክታ ምዃነን ኣረጋጊጸን።

Categories