ሃገራዊ ትካል ምርምር ሕርሻ-ሓልሓለ፡ ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ምሩጽ ዘርኢ ብምቕራብ ምህርቲ ሓረስቶት ንምዕባይ ዘካይዶ ምርምራዊ ስራሕ፡ ናይ ስራሕ ዕድል ኣብ ምፍጣር’ውን ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ፡ ሓላፊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ናይ’ቲ ትካል ኣቶ ይሃይስ በርሀ ሓቢሩ።

እቲ ትካል ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት ዝነጥፉ 200 ቀወምቲ፡ ልዕሊ 20 ብኩንትራትን ኣስታት 250 መዓልታዊን ሰራሕተኛታት ከምዘለዉዎ ዝሓበረ ኣቶ ይሃይስ፡ ነበርቲ ከተማ ድባርዋን ከባቢኣን እውን ኣብ እዋን ክረምትን ቀውዕን ኣብ’ቲ ትካል ክሰርሑ ዕድል ከምዝረኽቡ ኣረዲኡ።

ኣብ’ቲ ትካል ካብ ሓሙሽተ ወርሒ ክሳብ 15 ዓመት ዝሰርሑ ዜጋታት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ብዝተፈጥረሎም ዕድል ተሓጊዞም መነባብሮኦም ይመርሑ ከምዘለዉ ገሊጾም።

ኣብ 1995 ስርሑ ዝጀመረ – ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዝነጥፍ ሃገራዊ ትካል ምርምር ሕርሻ ሓልሓለ፡ ኣብ ዘራእቲ፡ እንስሳታት፡ ባህርያውን ተፈጥሮኣውን ጸጋታትን ሂወታዊ ብዙሕነትን ምርምራት የካይድ። ምሩጽ ዘርኢ ኣእካል፡ ኣሕምልትን ፍረታትን ኣብ ምዕቃብን ንሓረስቶት ኣብ ምቕራብን እውን ይሰርሕ።

Categories