ፕረዚደንት ሃማደኤ ወ/ሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል፡ ብ23ን 24ን ታሕሳስ፡ ንተራን ኣበርክቶን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መኸተን ህንጸትን ዘብርህ – ንኣባላት 31 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሰሚናር ኣካዪዳ።

“ተራ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ንናጽነትን ምኽባር ልኡላውነትን፡ ብኽብርን ሓበንን ዝዝከር ቅያ እዩ” ዝበለት ወይዘሮ ተኽኣ፡ ሃገር ኣብ ምልማዕ ዝጻወታኦ ዘለዋ ተራ እውን፡ መርኣያ ኣድማዕነተን ኣብ ኩሉ-መዳያት ከምዝኾነ ኣረዲኣ።

ደቂ-ኣንስትዮ ብሓፈሻ መንእሰያት ከኣ ብፍላይ፡ ፍልጠት፡ ሞያን ዓቕምን ደሊበን ኣፍራይነተን ክብ ንኽብል ይስራሓሉ ምህላዉ ብምሕባር ድማ፡ ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብ ምትሕብባሩ ከዕዝዝ ጸዊዓ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኩሎም መንእሰያት ብሓፈሻ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ፡ ነቲ ተቐሪቡሎም ዘሎ ዕድላት ትምህርትን ሞያን ኣብ ረብሓኦም ንምውዓል፡ ዝኣክል ጻዕሪ ከካይዱ ተላብያ።

ፕረዚደንት ሃማደኤ ኣቐዲማ – ካብ 18 ክሳብ 21 ታሕሳስ፡ ገምጋም ስራሕ ፈጻሚት ቦርድን 6ይ ምዱብ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶን ኣብ ዝተቓንዓሉ ኣኼባ፡ ገስጋስን ብድሆታትን ደቂ- ኣንስትዮ ኣብ ጒዕዞ 25 ዓመታት ከም እተገምገመ – ካብኡ ብምብጋስ እምበኣር፡ ሓያል ጐድኒ ተዓቂቡ ድኹም ጐድንታት ንክእረም ውፉይ ጻዕሪ ኣባላት ከምዘድሊ ኣገንዚባ ነይራ።

ኣብቲ፡ ካብ ኩሉ ዞባታት ሃገር፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣመሪካ፡ ስዑድያን ሱዳንን ናይ ዝርከባ ጨናፍር ማሕበራት ጸብጻባት ስራሕ ዝተሰምዓሉ ኣኼባ፡ ተራ ደቂ- ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካ፡ ኣካዳሚያዊ ትምህርትን ሞያዊ ስልጠናታትን. . . ኣብ ዘጠቓልል ውጥናት ስራሕ 2018 እውን ተዘትዩ።

Categories