ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት፡ ብሃማደኤ ዞባ ማእከል ዝተወደብ ንፈጠራዊ ተበላሓትነት ደቂ-ኣንስትዮ ዘጒልሕ ምርኢት ኢደ-ስራሓት፡ ብ24 ታሕሳስ ኣብ ኣስመራ ተኸፊቱ።

ኣብ’ዚ ኣብ ጐደና ሓርነት – ኣፍደገ ቤት- ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ንህዝቢ ክፉት ኮይኑ ዘሎን ክሳብ 31 ታሕሳስ ዝቕጽልን ምርኢት፡ ብ27 ደቂ-ኣንስትዮ ዝተዳለወ፡ ስራሓት ላኻ፡ ካይላ፡ ፈትሊ፡ ቅብኣ፡ ባህላዊ ቊኖን ስልማት ዕንቊን ዘጠቓልል ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ቀሪቡ ኣሎ።

ስነ-ጥበባዊት ምሕረት ገባር፡ እቲ ካብ 2013 በብዓመቱ እናተመሓየሸ ንህዝቢ ክቐርብ ዝጸንሐ ትሕዝቶ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ህዝቢ ብቐረባ ክላለዮ ዘለዎ ተራ፡ እተን ስነ-ጥበባውያን – ምምሕዳር ዞባ ማእከልን ሃማደኤን ንዝኸፈቱለን ዕድል ተጠቒመን ተመኲሮአን ንኸካፍላን ንኽለዋወጣን ባይታ ከምዝፈጥረለን ኣረዲኣ።

እቲ ምርኢት ንሃብታም ባህላውን ዘበናውን ኢደ-ስርሓት ዘንጸባርቕ ኮይኑ ከምዝረኸብዎ ብምሕባር፡ ከም’ዚ ዓይነት ውዳበ ክቕጽልን ክተባባዕን ከምዝግባእ ዘዘራረብናዮም ተዓዘብቲ ኣዘኻኺሮም።

Categories