ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ፡ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ብምድንፋዕ ውጽኢት ተመሃሮ ንምሕያል ዝሕግዝ ርክብ ተኻዪዱ።

ሓላፊ ትምህርቲ ኣብቲ ንኡስ ዞባ፡ መምህር እስማዒል ዓሊ፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ማልካ፡ ዙላ፡ ኣይሮማለ፡ ሮብሮቢያ፡ ሩባ-ሓዳስ፡ ሓድሽ፡ ዓረብቶ፡ ኣፍታ፡ ኢራፈለን ፎሮን ምስ ነበርቲ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ብቕዓትን ደረጃን ተመሃሮ ንምብራኽ ውሁድ ስራሕ ከምዘድሊ ጠቒሱ፡ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ተራ ወለዲ ወሳኒ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣብ 2017 ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ሓንቲ ቤት-ትምህርቲ ካብ መባእታ ናብ ማእከላይ ደረጃ ክትዓቢ እንከላ፡ ሓዳስ መዋእለ ህጻናት እውን ከምእትኽፈት ዝጠቐሰ መምህር እስማዒል፡ እዚ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ሓጋዚ ምዃኑ ገሊጹ።

ምቊራጽ ደቂ-ኣንስትዮ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ እናበኣሰ ይመጽእ ከምዘሎ ብምሕባር ድማ፡ ነዚ ኣብ ምፍዋስ ተራ ወለዲ ክዓዝዙ ጸዊዑ።

ወለዲ፡ ስነ-ምግባር ተመሃሮን መማህራንን ንምቊጽጻር ሕጊታት ኣብያተ-ትምህርቲ ብግቡእ ክትግበሩ፡ ዘበናዊ ህንጻ ዘድልየን ኣብያተ-ትምህርቲ ቈላሕታ ኪግበረለን፡ ከምኡ’ውን ዕብየት ካልኣይ ደረጃ ክድፋኣሉ ተላብዮም።

Categories