ትካል ‘ኤሪ-ሶክ’፡ ሕብረተ-ሰብ – ድሕነቱን ድሕነት ከባቢኡን ንምውሓስ፡ ኣብ ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ዕትሮ ጋዝ ጥንቁቕ ክኸውን ኣዘኻኺሩ።

ኣብ’ቲ ትካል ሓላፊ ክፍሊ ዓታሩ ጋዝ ኣቶ በየነ ብርሃነ፡ ዕለታዊ ክሳብ 120 ዓታሩ ከምዝፈሪ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ጥረ-ነገር ኣትዩ ስለዘሎ እውን፡ እቲ ትካል ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ከምዝርከብ ገሊጹ።

ዕትሮ ሕብሪ ምልካይን ኣፍ ዕትሮ ምቕያርን ህዝቢ ከወግዶም ዘለዎም ተርእዮታት ምዃኖም ብምሕባር ድማ፡ ሕብሪ ዝተለኽየ ኮነ ኣፉ ዝተቐየረ ዕትሮ፡ብመምዘኒታት ድሕነት ትካል ኤሪ-ሶክ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ኣብ ሃገርና፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝኣትዉ – ንኤሪሶክ ብምምስሳል ዝተሰርሑ ዓታሩን መጣኒን (ረጉሌተር) ከምዘለዉ ዝጠቐሰ ኣቶ በየነ፡ ህዝቢ ክዕድግ እንከሎ ክጥንቀቕ ከምኡ’ውን ዕትሮ ምልሓም ከወግድ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ 1995 ኣብ ዞባ ማእከል – ከባቢ ቊሸት ዝተደኰነ ትካል ኤሪ-ሶክ፡ ዓታሩ ጋዝ፡ ፎርኖታት፡ ብጋዝ ዝሰርሓ ሞጐጎ ኣድሓነት፡ ፋርኔሎን ካልእን የፍሪ።

Categories