ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ብርሰት ኣግራብ እናበኣሰ ይኸይድ ብምህላዉ ግብራዊ ስጒምቲ ክውሰድ፡ ንኩነታት ሃብቲ ገረብን እንስሳታት ዘገዳምን ንምግምጋም ኣብ ዝተገብረ ርክብ ተሓቲቱ።

ወኪል በዓል ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ኣብቲ ዞባ፡ ኣቶ ተኸስተ ክፍለማርያምን ሓላፊ ቊጽጽር ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ካፒተን ተወልደ ተኽለን ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ፡ መጠን ዝበርሱ ኣግራብ ብመንጽር’ቲ ዝትከል ክርአ እንከሎ ኣዝዩ ኣሰካፊ ምዃኑ፡ እዚ ከኣ ንህላወ እንስሳታት ዘገዳምን ስነ-ሂወታዊ ብዙሕነትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ተርእዮ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም። ዓድታት ከባቢአን ዝግርባሉን ዝከናኸናሉን ኣገባባት ብሰፊሑ ክተኣታቶን ተሪር መቕጽዒ ሕጊ ክህሉን ድማ ኣተሓሳሲቦም።

ሰለስተ ሓራምዝ ዝርከብዎም ሓያሎ እንስሳታት ዘገዳም ሞይቶም ከምእተረኽቡ ዝጠቐሱ እቶም ሰብ- መዚ፡ ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ብዝምልከቶም ኣካላት ዝካየድ ዘሎ ቊጽጽራዊ ስርሓት፡ ብርሰት ኣግራብ ዝጠንቁ ከባቢያዊ ሓደጋታት ንምግታእ፡ ኮማዊ ንጥፈታት ክዓዝዝን ዝተወሃሃደ ስራሕ ክትግበርን ተማሕጺኖም።

ሓላፊ በዓል-ስልጣን ሃብቲ ገረብን አንስሳ ዘገዳምን ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ኣብረስቲ ዘሎ ጸገማት ንምቅላል – ምርድዳእ ይግበረሉ ከምዘሎን፡ ናይ ምቊጽጻር ስራሓት ብምዕባይ ብርሰት ኣግራብ ንምግታእ መደባት ተታሒዙ ምህላዉን ገሊጹ።

Categories