ኣብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክራማት ብውሕጅ ዝተበላሸወ ጽርግያ መንደፈራ – ዓረዛ – ማይ-ድማ፡ ከምኡ’ውን ካብ ዓረዛ ናብ ገዳም ደብረ- መንቆርዮስ ዝኣቱ መስመር፡ ብህዝባዊ ወፈራታት ተጸጊኑ።

ኣብቲ ንኡስ ዞባ ሓላፊ ምክትታል ዓድታትን ፕሮጀክትታትን ኣቶ ዑቕባይ ኣማኑኤል፡ እቲ ብዓቕሚ ነበርቲ ዝተሰላሰለ ስራሕ – ብጠቕላላ 47 ኪሎ- ሜተር ከምዝኾነ ገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ፡ ህዝቢ ሰለስተ ምምሕዳራት ከባቢ ከተማ ማይ-ድማ፡ ካብ ዓቐብ ምሻን- ኣድጊ ናብ ከተማ ማይ-ድማ ዘእቱ ተበላሽዩ ዝጸንሐ 10 ኪሎ-ሜተር ጽርግያ ከምዝጸገኑ ተፈሊጡ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ መስመር መንደፈራ – ዓረዛ መሰረታዊ ፍታሕ ንምምጻእ ተጀሚሩ ዘቋረጸ ናይ ጽገና ስራሕ ክቕጽል ተላብዮም።

Categories