ኣብ ከተማ ዓዲ-ቐይሕን ከባቢኣን ዝነበረ ጸገም ዝስተ ማይ ንምፍታሕ ዝተኻየደ ጻዕሪ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ከምእተረኽቦ፡ ሓላፊ ኣገልግሎት ምዕዳል ማይ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዘርኣይ ክብረኣብ ሓቢሩ።

ኣቶ ዘርኣይ፡ ጀነሬተራት ብምትካለን ሕቶ ሓይሊ ኤለክትሪክ ከምእተፈትሐን ሻምብቆታት ማይ ከምእተዘርግሐን ብምሕባር፡ ልዕሊ 70 ሚእታዊት ነበርቲ ከተማ ዓዲ-ቐይሕን ኮለጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን – ብቡምባ ይሰትዩ ምህላዎም፡ ኣጸጋሚ ዝኾነ ቦታታት ድማ ብቦጣት ኣገልግሎት ይረክብ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ማእለውያ፡ ተዀንዳዕ፡ ኢጊላ፡ ካሪቦሳ፡ እምበይቶን ሳናኮን ዝርከባ ናይ ኢድ ፖምፓታት ስለዝተጸገና እውን፡ እቲ መጺኡ ዘሎ ፍታሕ ንገጠርን ከተማን ንኡስ ዞባ ዓዲ- ቐይሕ ዘጠቓለለ ምዃኑ ገሊጹ።

ግዝያዊ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዓዲ- ቐይሕ ኣቶ ኪሮስ ገብረማርያም፡ እቲ ንብረት ንዝነውሐ እዋን ኣገልግሎት ክህብ – ህዝቢ ብሓልዮት ክግልገለሉ ተላብዩ።

Categories