ብምትሕብባር ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራን፡ ኣመሪካዊት ናይ ጃዝ ጉጅለ ሙዚቃ፡ ብ20 ታሕሳስ ኣብ ሲነማ ኣዝመራ ምርኢት ኣቕሪባ።

ነዚ፡ “ጆ ኤንድ ሱሌማን ጃዝ ኲንቴት” ብዝተባህለት ጉጅለ ዝቐረበ ቀዳማይ ምርኢት፡ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ተዓዚብዎ።

ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ኣብ ዘስመዖ ናይ መኽፈቲ ቃል፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ነቲ ኣጋጣሚ ብምውዳቡ መጒሱ።

ፈጻሚት ጉዳያት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ሚስ ናታሊን ብራውን ብወገና፡ ትርጉም ጃዝ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ድሕሪ ምግላጽ፡ ሙዚቃውን ባህላውን ምርኢት – ኣብ መንጎ ኣህዛብ ስኒት ዝፈጥር ናይ ሓባር ቋንቋ ምዃኑ፡ እቲ መደብ ድማ ነዚ ዕላማ’ዚ ዝወቅዕ ክኸውን ጽኑዕ እምነታ ገሊጻ።

ኣባላት’ታ ጉጅለ ሙዚቃ – ድምጻውያን ጆኣን ማይኖርን ሱሌማን ሃኪምን፡ ብህዝቢ ኤርትራ ንዝተገብረሎም ኣቀባብላ ኣመስጊኖም።

ጉጅለ ሙዚቃ ጃዝ “ጆ ኤንድ ሱሌማን ጃዝ ኲንቴት” ኣብ ኤርትራ ኣብ እትጸንሓሉ እዋን፡ ተወሳኺ ምርኢትን ዓውደ-ዘተ ምስ ኤርትራውያን ሙዚቀኛታትን ተወዲቡላ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ሙዚቃ “ጃዝ” ኣብ ፈለማ 20 ክፍለ- ዘመን ብኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝጀመረ ኮይኑ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብደረጃ ዓለም ልዑል ተቐባልነት ካብ ዘለዎም ቅድታት ሙዚቃ እዩ።

Categories