ኣባል ትካል ንግዳዊ መራኽብ ኤርትራ ገዲም ተጋዳላይን ካፕተን መርከብን በራኺ ዘመደብርሃን፡ ብዝሓደሮ ሕማም ብ19 ታሕሳስ ኣብ መበል 70 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ።

ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ተጋዳላይ በራኺ፡ ፈለማ ኣብ ተዋጋኢ ኣሃዱን ወተሃደራዊ ስለያን ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናይ መርከብ ‘ኣንጀሎስ’ መራሒ ኮይኑ፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ስንቅን ዕጥቅን ኣብ ምምጻእ ልዑል ተራ ዝተጻወተ – ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ ዝዓበያ መራኽብ ተመዲቡ ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታትን ንብረት መንግስቲ ኣብ ምምልላስን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ሞያኡ ንምምዕባል ናብ ወጻኢ ሃገር ተላኢኹ ዓለም-ለኻዊ መርከብ ናይ ምምራሕ ብቕዓት ዝነበሮ ምኩር ባሕረኛ በራኺ፡ ሓደስቲ ባሕረኛታት ኣብ ምስልጣን እውን ዝምስገን ኣበርክቶ ዝገበረ እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ስዉእ ገዲም ተጋዳላይ በራኺ ዘመደብርሃን፡ ትማሊ 20 ታሕሳስ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

ትካል መስመር ንግዳዊ መራኽብ ኤርትራ፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተገዳላይ በራኺ ዘመደብርሃን ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መሳርሕቱን መቓልስቱን ጽንዓት ይምነ።

Categories